ቻይና ምስፍሕፋሕ ኔቶ ብምቅዋም ኣብ ጎኒ ሩስያ ደው ኢላ

Published

ቻይና መስፍሕፋሕ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ብምቅዋም ነቲ ሩስያ ዝጀመረቶ ተቓውሞ ከምእትድግፎ ገሊጻ።

እዚ ሩስያን ቻይናን ንጸቅጢ ሃገራት ምዕራብ ንምምካት ብሓባር ኮይነን ክሰርሓ ከምዝኽእላ ምልክት እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቫላዳሚር ፑቱን ናብታ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ሓጋይ ተአንግድ ዘላ ቻይና ዑደት ኣብ ዝገበረሉ፡ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ናይ ሓባር ስምምዕ ዘብርህ ሓባራዊ መግለጸ ኣውጺአን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሃገራት ምዕራብ ብጥምረት ኔቶ ኣመሳሚሰን ንሩስያ ንምንዋጽን ንምውጋእን ይፍትና ኣለዋ ኢሉ።

ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክረይን ኣስታት 100 ሽሕ ሰራዊት ኣዋፊራ ንዩክረይን ክትወራ ትሓስብ ኣላ ብምባል ኣመሪን ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከብአን ሓያለ ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ዝዓለመ መግለጺታትት ብምውጻእን ንዩክረይን ብምሕጋዝን ይሰርሓ ምህላወን እዩ ዘግለጽ።

ሩስያ ግን ንዩክይን ንምውራር ዝኾነ ድሌታት ኮነ ሃቐነ ከምዘይብላ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

እታ ኣባል ሕብረት ሶቬት ዝነበረት ዩክይንን ሩስያን ሓደ እየን ኢሉ ዝገለጽ ፑቲን፡ ዩክረይን ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ከይትኸውን ብተደጋጋሚ ክሓትት ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ፑቱን ናብ በይጂንግ ድሕሪ ምብጽሑ ዝወጽአ ነዊሕ ሓበራዊ መግለጺ ቻይናን ሩስያን፡ ንዩክረይን ብጠቅታ ዘይምልከት’ኳ እንተነበረ መዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝሑል ኵናት ንምኽፋት ይሰርሕ ኣሎ ኢለን።

ርክብ ፕረዚደንታት ቻይናን ሩስያን ቅድሚ ምኽፋት ኦሎምፒክ ሓጋይ እዩ ተኻይዱ።ድሕሪ ክስተት ኮሮናቫይረስ እዞም መራሕቲ ክልተ ዓበይቲ ክራኸቡ እዚ ናይ ፈለማዮም’ዩ።

እቲ መግለጺ “ኣብ ሞንጎ ቻይናን ሩስያን ዘሎ ምሕዝነት ደረት ዘይብሉ’ዩ” ይብል።ቻይናን ሩስያን ኣብ ጸጥታን ካልእ ተዛማዲ ጉዳያትን ክተሓጋገዛ ኣቐዲመን ዝኸተመኦ ስምምዕ ኣለወን።

እዘን ሃገራት ኣቐድም ኣቢለን ሃገራት ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ‘ኣውኩስ’ ኢለን ዝሰመየኦ ስሉሳዊ ኪዳን ምስ ተፈራረም፡ ንክልቲና ዘስግእ ስምምዕ’ዩ ብምባል ናይ በይነን ናይ ጸጥታ ውዕል ከምዝኸተማ ዝዝከር እዩ።