ኢትዮ ቴሌኮም ብሰንኪ ኲናት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቢልዮናት ከምዝኸሰረ ኣፍሊጡ

ኢትዮ ቴሌኮም ብሰንኪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክረኽቦ ዝነበሮ 3.67 ቢልዮን ብር ከምዝሰኣነ ሓቢሩ፡፡
እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ፍርቂ ዓመት ኣቆጻጽራ ግእዝ 2014 ዓ/ም፡ ካብቲ ክረኽቦ ተሊምዎ ዝነበረ ኣታዊ 86.4 ምኢታዊት ጥራሕ ከምዘዐወተ ገሊጹ፡፡
ካብ ሓምለ 2013 ክሳብ ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ኣብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ እቲ ኲናት ብምንውሑን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምግፍሑን ኣብ 3473 ናይ ሞባይል ጣብያታት ናይ ኣገልግሎት ምትዕንቓፍ ከምዘጋጠሞ እውን ሓቢሩ፡፡
ዛጊድ እቲ ትካል ክበጽሖም ኣብ ዝኸኣለ በቲ ኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት ኣገለግሎት ንምጅማር 328.9 ሚልዮን ብር ወጻኢ ከምዝተገበረ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ፡፡
ኲናት ካብ ዝጀመረሉ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽን ተቛሪጹ እዩ፡፡
እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታት ብምኽንያት ጸገም ጸጥታ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘይከኣለን: ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ትሕተ ቅርጺ ቴሌኮም ዘለዎ ኩነታት ክፍለጥ ምዘይተኽኣለን ገሊጹ፡፡
ኣብዚ ፍርቂ ዓመት ብሓፈሻ 28 ቢልዮን ኣታዊ ከምዝረኸበ ዝገለጸ ኢትዮ ቴሌኮም፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነጻጸር ብ 6.7 ምኢታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Stefano Sferrazza / EyeEm
እታ ሃገር ምስ ዝነበረትሉ ኣጸጋሚ ኩነታት እንትረአ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝረኸበ ዝገልጽ እቲ ትካል ብዝሒ ዓማዊሉ 60.8 ሚልዮን ምብጽሑ ገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ ኣገልግሎት ገንዘብ ሞባይል ዝህብ ቴሌ ብር ኣብ ሓጺር እዋን ልዕሊ 13 ሚልዮን ዓማዊል ከምዘፍረየ ብምግላጽ: በቲ መገዲ ዝግበር ዕድጊ 5.1 ቢልዮን ብር በጺሑ ኢሉ፡፡
ኢትዮ ቴሌኮም ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ዕንወት ትሕተ ቅርጺ ዝርከቦም ጸገማት ከምዘጋጠሙ ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ንሓያሎ ዓመታት ብሕታዊ ወሃቢ ኣገልግሎት ቴሌኮም ኮይኑ ዝጸንሐ እንትኾን፡ ቅድሚ ውሑድ ዓመታት መንግስቲ እቲ ዓውዲ ንናይ ውልቀ ኩባንያታት ክፉት ብምግባሩ ሳፋሪኮም ዝተባህለ ኬንያዊ ትካል ናብ ስራሕ ንምእታው ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ፡፡










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
