ፍቓድ ቴሌኮም ረኺቡ ዘሎ ጥምረት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ከም ዘምጽእ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, @StateHouseKenya
ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ፍቓድ ዝተወሃቦ ጥምረት ኣብ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወጻኢ እታ ሃገር ኣዝዩ ዝለዓለ ዝበሃል መጠን ገንዘብ ፈሰስ ከምዝገብር መንግስቲ ኬንያ ሓቢሩ።
ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ቴሌኮም ከቕርብ ፍቓድ ዝረኸበ ጥምረትን ምኽታም ስምምዕ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣብቲ ስምምዕ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝተረኸበ ኮይኑ፤ ቤትጽሕፈቱ ብትዊተር ኣብ ዝጠቅዖ መልእኽቲ: እቲ ጥምረት ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት 864 ቢልዮን ሽልንግ [8 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ] ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ሒዙ ከምዝኣትው ኣመልኪቱ።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰሙናት ወግዓዊ ኣብ ዝገበረቶ ውጽኢት ጨረታ እቲ ንዝተፈላለዩ ትካላት ዝሓቖፈ ጥምረት ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም እታ ሃገር ክወፍር ፍቓድ ምሃባ ይዝከር። በዚ መሰረት እቲ ‘ግሎባል ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ’ ዝተባሃለ ጥምረት ሽድሽተ ኩባንያታት: ናብ ስራሕ ክኣትው’ዩ።
ነዚ ጥምረት ዝመርሕ ኬንያዊ ኩባንያ ሳፋሪኮም ኮይኑ፤ ካብ ብሪጣንያ ቮዳፎንን ሲዲሲ ጉሩፕን፣ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቮዳኮም፣ ካብ ጃፓን ሱሚቶም ከምኡ’ውን ዲኤፍሲ ኣብቲ ጥምረት ኣለዉ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳፋሪኮም ፒተር ኣንዴግዋ: እቲ ጥምረት ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝፍጽሞም ስራሕቲ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ’ሎ።
እቲ ጥምረት መዓዝ’ዩ ስርሑ ክጅምር?
“ኣብ ኬንያ ኣዝዩ ዕውት ኩባንያ እዩ” ዝብል ኣካያዲ ስራሕ ሳፋሪኮም ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ዝነበሮ ድልየት ነዊሕ ዝጸንሐ ምዃኑ ይገልጽ። ነዚ ድልየት ዘዕውት ፍቓድ ብምርካቦም ከምዝተሓጎሱ’ውን ይዛረብ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌኮም ንኽህብ ፍቓድ ዝረኸበ ጥምረት ኣብ መፋርቕ 2022 ስራሕ ከምዝጅምር ሓቢሩ’ሎ።
ንሱ ከምዝበሎ፤ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብምቕራብ ንኢትዮጵያ ናብ ዲጂታላዊ ስርዓት ናይ ምስግጋር ድልየትን ህወይወት ሰባት ክመሓሽ ናይ ምግባር ዕላማን ኣለዎም።
“ኢትዮጵያ ናይ 110 ሚልዮን ህዝቢ ሃገር’ያ። እቲ ብዝሒ ይውስኽ’ዩ ዘሎ። ኣብታ ሃገር ግን ሓደ ትካል ቴሌኮም ጥራሕ’ዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት 5 ዓመታት ናብቲ ዝበዝሕ ክንበጽሕ ኢና ኢለ እሓስብ” ይብል እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ።
ዕድል ስራሕ
ኢትዮጵያ ንዓውዲ ቴሌኮም ምኽፋታ ዝለዓለ ወፍሪ ናብታ ሃገር ክኣትው ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ንብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ይዝረብ። ፒተር ንዴግዋ’ውን ነዚ ሓሳብ ይድግፍ።
“ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ካብ 1 ክሳብ 1.5 ሚልዮን ንዝኾኑ ሰባት ዕድል ስራሕ ክፈጥር’ዩ። ፍርያትን ኣገልግሎት ዘቕርቡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ኣቕረብቲ ክህልው’ዮም። ኣብቲ ናይ ንግዲ ሰንሰለት ከኣ ብዙሓት ተሳተፍቲ ክኾኑ’ዮም” ክብል ኣረዲኡ።
ምስ መንግስቲ ተሓባቢሮም ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ኢንተርኔት ክህሉ ብምግባር ዓውዲታት ትምህርትን ጥዕናን ናብ ዲጂታላዊ ስርዓት ናይ ምእታው ውጥን ከምዘለዎም እቲ ኣካያዲ ስራሕ ገሊጹ’ሎ።
ስግኣት
ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘጋጥሙ ጸገማት ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ብተደጋጋሚ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምቁርራጽ ከምዘጋጥሞ ይፍለጥ።
ኣብ ትግራይ ኲናት ተወሊዑ’ሎ፤ ኣብ ብዙሓት ከባብታት እታ ሃገር ድማ ንብሄር መሰረት ዝገበሩ ጎንጺታት ብስፍሓት ይረኣዩ።
ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ጸገም ድሕነትን ኣብ ዝረኣየላ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ምግባር ስግኣት ኣይኮነኩምን? ዝብል ሕቶ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳፋሪኮም ቀሪቡሉ ነይሩ።
“ብበዓል መዚ ኮሚዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ግብራዊ ዝኸውን ቅጥዒ ፖሊሲ ከምዘሎ መረጋገጺ ተዋሂቡና’ሎ። እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብዘይጸገም ንሰርሖ ኣብኡ’ውን ብጽቡቕ ኩነታት ንኽንሰርሕ መረጋገጺ ሂቡና’ዩ” ክብል እቲ ናይ ኢንተርኔት ምቁርራጽ ስግኣት ከምዘይኸውን ሓቢሩ።
ምስቲ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባብታትን ዘሎ ዘይምርግጋእ ብዝተሓሓዝ ኣብ ንግዳዊ ምንቅስቓሶም ክፈጥሮ ንዝኽእል ጽልዋ ኣብ ግምት ከምዘእተዉ ገሊጹ።
“ኣብ ኢትዮጵያ እነካይዶ ኢንቨስትመንት ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ እዩ። ምስቲ ሰፊሕ ዕድል ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ’ውን ምሕሳብ የድልይ። ነዞም ሓደጋታት ኩሎም ኣብ ግምት ኣእቲናዮም ኢና። ኣብ ስራሕና ንዘጋጥሙ ጸገማት እናነጸረ ንዘፍልጠና ኩባንያ ስራሕ ሂብና’ለና” ኢሉ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
