ብራዚል፡ ብርሩዕ ዝናብ ብውሕዱ 21 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ብራዚል ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ብውሕዱ 21 ሰባት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣብ ብራዚል ዞባ ሳኦ ፓውሎ ብርቱዕ ዝናብ ድሕሪ ምህራሙ ብዝሰዓበ ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን ብውሕዱ 21 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

ብዘይካ'ዚ ትሽዓተ ሰባት ከቢድን ፎኵስን ማህሰይቲ ከጋጥሞም እንከሎ፡ ብዙሓት ሰባት'ውን ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ።

ብሰንኪ ውሑጅን ምህማም መሬትን ብዙሕ ኣባይቲ ስለዝፈረሰ ልዕሊ 600 ስድራቤታት ብዘይ መጽለሊ ተሪፈን ኣለዋ።

ኣማሓዳሪ ሳኦ ፓውሎ ጆ ዶርያ፡ ነቲ ዝተሃሰየ ከባቢታት ኣብ ሄሊኮፕተር ኮይኑ ድሕሪ ምዕዛብ ነቶም ዝተሃሰዩ ዝኸውን 2.8 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ሰሊዑ ኣሎ።

ኣብ ብራዚል፡ ናይቲ ዓዲ ክረምቲ ካብ ዝጅምር ኣብ ዞባ ባህያን ሚናስ ግርያስን ልዕሊ 40 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

ኣብ ሳኦ ፓውሎ፡ ኣጥፋእቲ ሓውን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ነቶም ብምህማም መሬት ተደብዮም ዘለዉ ሰባት ንምድሓን ይጓየዩ ኣለዉ፡ ክሳብ ሕጂ 14 ሰባት ሃለዋቶም ስለዘይተፈለጠ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ክዛይድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ ኣሎ።

ቤት ጽሕፋት ከንቲባ ከተማ ናይታ ኣብ ዞባ ሳኦ ፓውሎ ትርከብ ፈራንኮ ዳ ራቻ እቶም ኣብ ትሕት ዝበለ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ካብ ዕልቅልቕ ንምድሓን ናብቶም ኣብ ውሑስ ቦታ ዝርከቡ ኣዕሩኽቶምን ኣዝማዶምን ክዕቖቡ ተማሕጺኑ ኣሎ።

ክኢላታት ሜትሮሎጂ፡ እቲ ዓቐኑ ዝሓለፈ ዝናብ፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ዝስዕብ ዘሎ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።