ማውሪሸስ፡ ሓደ ናጽላ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ኣብ ዝርከብ ናይ ሽቓቕ መጉሓፊ ተደርብዩ ተረኺቡ

Published

ኣብ ማውሪሸስ፡ ሓደ ናጽላ ህጻን ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ኣብ ዘሎ መጎሓፊ ተደርብዩ ተረኺቡ።

እቲ ህጻን ብሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ሽቓቕ ናይታ ነፋሪት ከምዝተረኽበ ተገሊጹ።

ነቲ ህጻን ወሊዳ ብምድርባይ ዝተጠርጠረት ሓንቲ ጓል 20 ማዳጋስካራዊት ኣብ ቀይዲ ኣትያ'ላ።

እቲ ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ዝተወስደ ህጻን ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ሰራሕተኛታት ጉምሩክ ኣብታ ነፋሪት ንቡር ናይ ምፍታሽ ንጥፈታቶም ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን'ዮም ነቲ ህጻን ክረኽብዎ ኪኢሎም።

እታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ማውሪሸስ ዝኾነት ነፋሪት ኣብ ሓድሽ ዓመት ካብ ማዳጋስካር ናብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሲዉሳጉር ራመጉላም ዝኣተወት'ያ ነይራ።

ኣብ መጉሓፊ ተደርብዩ ምስረኸብዎ ድማ ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ወሲዶሞ።

እታ ኣዲኡ ክትከውን ከምእትኽእል ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ውልቀሰብ፡ ፈለማ ናታ ከምዘይኮነ'ያ ተዛሪባ።

ብዝተገብረላ መርመራ ግን፡ ኣብቲ እዋን ሓራስ ምንባራ ተረጋጊጹ።

ኣብ ሆስፒታል፡ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ፖሊስ ኣትያ ክትጸንሕ ድማ ተወሲኑ።

ንሳን እቲ ናጽላን ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡ ሓካይም ሓቢሮም።

እታ ኣደ'ቲ ናጽላ ከምዝኾነት ዝተጠርጠረት ሰብ፡ ጓል ሃገረ ማዳጋስካር ኮይና፡ ናይ ማውሪሸስ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዋ'ያ።

ካብ ሆስፒታል ወጺኣ፡ ናጽላ ብምድርባይ ክሲ ቀሪቡላ ናብ ፍርዲ ክሳብ ትቐርብ ከትምርመር ምዃና ኸኣ ተፈሊጡ'ሎ።