ኣብ ኣውሮጳ ሓድሽ ዓመት ንምብሳር ዝተተኮሰ ርችት ሰባት ቀቲሉ

ሓድሽ ዓመት

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ትማሊ ዝበሓተ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳውያን 2022 ንምብሳር ዝተተኮሰ ርችት ሰለስተ ሰብ እንትቐትል ብዙሓት ድማ ቆሲሎም ተባሂሉ።

ኣብ ኔዘርላንድስ ሓደ ወዲ 12 ዓመት ህጻን ብርችት ምኽንያት ህይወቱ እንትስእን ካልእ ሰብ ድማ ጉድኣት በጺሕዎ።

መራኸብቲ ብዙሐን እታ ሃገር ከምዝጸብጸበኦ፡ እቲ ህጻን ዝሞተ ሓደ ዓቢ ሰብ፡ ኣብ ገዝኡ ዘዳለዎ ርችት ንምትኳስ እንትፍትን ኮይኑ፡ ኣብ ጥቕኡ ኾይኑ ዝርኢ ዝነበረ ህጻን ህይወቱ ስኢኑ።

ፖሊስ ኔዘርላንድስ ነቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ጀርመን፡ ሓደ ወዲ 37 ዓመት ውልቀሰብ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ትርከብ ንኢሽተይ ከተማ ሄኔፍ ብሰንኪ ርችት ህይወቱ ስኢኑ ኣሎ።

ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ይምርምር ኣለኹ ኢሉ።

ዲፒኤ ዝተብሃለ ዜና ወኪል ጀርመን ከምዝጸብጸቦ፡ ኣብታ ሃገር ብርችት ምኽንያት ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሓደጋታት በጺሖም እዮም።

ኣብ ኔዜርላንድስ ብውሕዱ ኣስታት 80 ሰባት ብርችት ምኽንያት ኢዶምን እግሮምን ዘስእኑ ሓደጋታት ከምዝበጽሖም ጸብጻብ ጋዜጣ ዴይሊ ቴሌግራፍ የመልክት።

ኔዘርላንድስ ኮነት ጀመርን ብሰንኪ ሓድሽ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ርችት ከይትኮስን ከይሽየጥን ከልኪለን እየን።

ሰብ ስልጣን ኔርላንደስ፡ ሆስፒታላት ብሰንኪ ርችት ንዝበጽሑ ሓደጋታት ንምሕካም ግዜ የብሎምን ኢሎም ነይሮም።

እንተኾነ፡ እተን ሃገራት ዘሕለፈኦ ትእዛዝ ጥሒሶም ከምኡ ዝገበሩ ሰባት ሓደጋታት ኣብጺሖም።

ብዙሓት ሰባት ዶባት ሰጊሮም ርችት ዝገዝኡ ኾይኖም፡ ካልኦት ድማ ኣብ ገዘኦም ሰሪሖምዎ ተባሂሉ።

ኣብ ኦስትሪያ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ርችት ሓደጋ እንትበጽሖም፡ ሓደ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ህይወቱ ስኢኑ ተባሂሉ።