ሰለስተ ኣሕዋት ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ነበር ምስ ካልኦት ኣዝማዶም ከመይ ተቐቲሎም?

ስድራቤት መወትቲ ስእሊ ዝሞቱ ስድርኦም ሖዞም ኣብ ፊት እቲ ዝተቃጸለ ገዝኦም ኮይኖም

ምንጪ ስእሊ, Nonno Benja Communication

መግለጺ ስእሊ, ስድራቤት መወትቲ ስእሊ ዝሞቱ ስድርኦም ሖዞም ኣብ ፊት እቲ ዝተቃጸለ ገዝኦም ኮይኖም
Published

ሰለስተ ኣሕዋት ናይቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ኣቢሉ ብሕማም ዝሞተ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ነበር ኣይተ ኣለማየሁ ኣቶምሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ተቐቲሎም። ምስኦም ድማ ካልኦት ኣርባዕተ ኣዝማዶም ከምዝተቐተሉ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዝኦም ከምዝተፈጸመ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይዛረቡ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጂማ ወረዳ ኖኖ ቤንጃ ቀበሌ ኮንቺ ዝተፈጸመ ኮይኑ ብዝሒ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት 8 ከምዝኾነ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባብን ኣዝማድን ይገልጹ።

በቲ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣካላዊ መጉዳእቲ በጺሕዎም ብህይወት ዝተረፉ ክልተ ሰባት ድማ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።

ካብ ሞንጎ ዝተቐተሉ ሰባት እቶም ሸውዓት ኣዝማድ ናይቲ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ዝነበረን ብህይወት ዘየለን ኣለማየሁ አቶምሳ ክኾኑ ከለዉ ሓደ ድማ ጎረቤት ከምዝኾኑ ኣባላት ቤተሰቦም ንቢቢሲ ኣረዲኦም ኣለዉ። ሓንቲ ኣደ ምስ ጓል 25 ዓመት ጓለን ካብቶም ዝተቐተሉ ሰባት ይርከብኦም።

መንግስቲ “ኣሸባሪ” ዝበሎ ኦነግ-ሸኔ ነቲ ቕትለት ሓላፍነት ከምዝወስድ ክገልጽ ከሎ፡ እቲ ጉጅለ ግን ኣብቲ ዝቐረበ ክሲ መብርሂ ንኽህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ዛጊድ መልሲ ኣይሃበን።

ኣብቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 17 መንበሪ ገዛውትን ኩልሳስ እኽልን ከምዝነደደ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ዘቃልሕኦ ጸብጻብ የመልክት።

ዝተቃጸለ ቁሚጦ

ምንጪ ስእሊ, Nonno Benja Communication

መግለጺ ስእሊ, ዝተቃጸለ ቁሚጦ

ዓርቢ 15 ታሕሳስ [24 ታሕሳስ 2021] ዝነበረ ኩነታት?

እቲ መጥቃዕቲ ዓርቢ ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 ክሳብ 3፡00 [06፡00 ክሳብ 09፡00] ኣብ ዝነበረ ጊዜ ከምዝተፈጸመ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወላዲኡ ዝተቐተልዎ ወዲ ሓዉ ንኣለማየሁ ኣቶምሳ ዝኾነ ኣይተ ኣዲስ ኣደባ ኣቶምሳ ከምኡ’ውን ኣመሓዳሪ ወረዳ ኖኖ ቤንጃ ኣይተ ኩመራ ዲጋ ይገልጹ።

ኣይተ ኩመራ ከምዝበሎ፡ ሰለስቲኦም ግዳያት ዓበይቲ ኣሕዋቱ ነቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ብሕማም ዝሞተ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ኣቶ ኣለማየሁ ክኾኑ ከለዉ፡ ብዙሓት ቆልዑት ኣለውዎም።

“ናይ ሸሞንተ ሰባት ሬሳ እዩ ተረኺቡ ክልተ ድማ ናብ ትካል ሕክምና ተወሲዶም ኣለዉ” ክብል እቲ ኣመሓዳሪ ኣረዲኡ።

ኣቶ ሙላቱ ኣቶምሳ ወዲ 75 ዓመት - ኣቦ ትሸዓተ ቆልዑ፤ ኣይተ ጢንቲ ኣቶምሳ ልዕሊ 70 ዓመቶም - ኣቦ ሸሞንተ ቖልዑ ከምኡ’ውን ኣይተ ኣደባ ኣቶምሳ ወዲ 60 ዓመት - ኣቦ ሸሞንተ ቖልዑ ከምዝነበሩ ቤተሰቦም ንቢቢሲ ገሊጾም።

ነበርቲ እቲ ወረዳ ነቲ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ብቀዳም ሰለማዊ ሰልፊ ገይሮም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Nonno Benja Communication

መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ እቲ ወረዳ ነቲ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ብቀዳም ሰለማዊ ሰልፊ ገይሮም ነይሮም

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ሸሞንተ ግዳያት ኣብቲ መዓልቲ [ዓርቢ - 15 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ] ምሸት ሰዓት 01፡30 ከምዝተፈጸመ ድማ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝተሓተተ ወዶም ንመዋቲ ኣይተ ጢንቲ ዝኾነ ኣይተ ኣዳነ “ኩሉ ሰብ ክጥንቀቕን ክፈርሕን’ዩ ጸኒሑ፤ እዚ ክፍጽም ከምዝኽእል ዝገመተ ግን ኣይነበረን። ኣቦይን ዓብዪ ሓዉን ኣብ ሓደ ቦታ ብኣርባዕተ ጠያይቲ ተቐቲሎም። ሰባት ዘተዓርቕን ብማሕበረሰብ ዝኽበርን ዓቢ ዓዲ እዩ ነይሩ” ክብል ተዛሪቡ።

ካልእ ወዲ ሓዉ ንኣቶ ኣለማየሁ ዝኾነ ኣዲሱ ኣደባ ኣቶምሳ ድማ ኣቡኡ ብዕጡቓት ከምዝተቐተለ ብምሕባር “መንበሪ ገዛውቲ ተቓጺሉ’ሎ። እቲ ቕትለት ከኣ ኣብ ዝነብሩሉ ቁሸት’ዩ ተፈጺሙ። ንኣይተ ሙላቱን ኣይተ ጢንቲን ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ ከምዝቐተልዎም ሰሚዕና ኣለና። ግምታዊ ዘይኮነስ ኮነ ኢሎም ንኣባላት ሓደ ቤተሰብ ናይ ምጽራይ ስጉምቲ’ዮም ወሲዶም” ክብል ገሊጹ።

“. . . እቲ ዘሕዝን ነገር ከኣ ብፍላይ ኣይተ ሙላቱ ኣቶምሳ ኣዒንቶም ክሪኡ ዘይክእሉ ሽማግለ እዮም ነይሮም። ኣብ መንበሪ ገዝኦም’ዮም ተቐቲሎም” ዝበለ ኣዲሱ፡ ምስቶም ሰለስተ ኣሕዋት ካብ ሞንጎ ዝተቐተሉ እቶም ኣርባዕተ ኣዝማድ ኣቶ ሙላቱ ኣቶምሳ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ብህይወት ዝተረፉ ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ ከኣ ንድሕነቶም ይሰግኡ ብምህላዎም “ንሓዘን ኮፍ ከምዘይበሉ” ተዛሪቡ።

“ሽዑ ምሸት ኣብ ጫካ ሓዲሮም። ኣብ ዝለዓለ ስግኣት’ዮም ዘለዉ። ዝሞቱስ ሞይቶም ኣለዉ፤ እቲ ሕዚ ዘድግኣና ግን ናይቶም ብህይወት ዝተረፉ’ዩ” ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ነበር ኣሮ ኣለማየሁ ኣቶምሳ

ምንጪ ስእሊ, Addis Fortune

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ነበር ኣሮ ኣለማየሁ ኣቶምሳ

እቶም ግዳያት ንሓደ ቤተሰብ ዒላማ ብዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ ዝዛረብ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ኩመራ፡ “እቲ መጥቃዕቲ ብኣጋጣሚ ዝተፈጸመ ኣይኮነን” ይብል።

“ኣትዮም ነቲ መጥቃዕቲ ምስፈጸሙ ናብ ካልእ ሰብ ኣይተኮሱን። ካልእ ገዛ’ውን ኣየቃጸሉን። ኣብ ሓደ ከባቢ ንዝነበሩ ገዛውቲ ብምንዳድ ሰላማውያን ሰባት እናቐተሉ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ እዮም ነቲ ተግባር ፈጺሞምዎ ተመሊሶም። ተኣሊሾም’ዮም ኣብ ዝነበርዎ ቦታ ተቐቲሎም” ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ካልእ ኣባል ቤተሰብ ከምዝበሎ፡ ሓደ ውልቀሰብ ነቶም ዕጡቓት ቀቅድሚኦም ኮይኑ እናመርሐ ኣንፈት ይሕብር ነይሩ።

መንቀሊ እቲ መጥቃዕቲ?

ቀበሌ ኮንቺ ምስታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ እትርከብ ቦኔያ ዝተበሃለት ወረዳ ትዳበው’ያ። ነበርትን ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ከምዝብልዎ ድማ እቶም ዕጡቓት ጎረቤት ኣብ ዝኾነ ዞባ ቀበሌ ያደ ሁንዳ ይርከቡ’ዮም።

ብተደጋጋሚ ናብ ቀበሌ ኮንቺ ንምእታው ፈተነ የካይዱ ዝነበረ ኮይኖም፤ እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ዝነበሩ ክልተ መዓልታት ከኣ እቶም ዕጡቓት ናብታ ቀበሌ ብምምጽኦም ተኹሲ ከፊቶም ምንባሮም ቤተሰብ ግዳያት ይዛረቡ።

ብድሕሪኡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ንኽልተ ኣባላት እቶም ዕጡቓት ከምዝቐተሉ ድማ ወሲኾም ገሊጾም።

ብድሕሪኡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ዘይህልዉሉ ጊዜ ኣጽኒዖም ብምምጻእ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተዛሪቦም።

“እታ ቀበሌ ነቶም ዕጡቓት ክትቕበል ፍቓደኛ ብዘይምዃና ዒላማ ከምዝተገበረት” ኣመሓዳሪ ወረዳ ኖኖ ቤንጃ ኣይተ ኩመራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ’ሎ።

ዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮሚያ ብስፍሓት ዝንቀሳቐሱ ኮይኖም፤ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ግን ናብ ምብራቕ ወለጋ፣ ሆሮ ጉዱሩን ምዕራብ ሸዋን ብስፍሓት ክንቀሳቐሱ ይረኣዩ ኣለዉ።

እዚ ጉጅለ ዕጡቓት ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብቲ ክልል ብተደጋጋሚ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታትን ቅትለትን እንተተኸሰሰ’ኳ፤ ብወገኑ ግን ነቶም ክስታት ክነጽጎም ጸኒሑ’ሎ።

“ኣብ ምብራቕ ወለጋ ብዘይካ ሸኔ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ የለን” ዝበለ ኣይተ ኩመራ፡ ነቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ውን እቲ ጉጅለ ከምዝፈጸሞ ሓቢሩ።

ኣይተ ኣለማየሁ ኣቶምሳ ካብ መፋርቕ 1990ታት [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ስልጣን ካብ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ ተረኺቡ ብርእሰ ምምሕዳርነት ክልል ኦሮሚያ ከምዘገልገለ ይዝከር።

ብሰንኪ ዘጋጠሞ ጸገም ጥዕና ስልጣኑ ከምዝለቐቐለ ካብ ዝግለጽ ኣብ ካልኣይ ደሙን ድማ ከምዝሞተ ወግዓዊ ተገይሩ።