እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወለዶም ሽጋራ ዘትክኹ መንእሰያት ኣትከኽቲ ናይ ምዃን ዕድሎም ብኣርባዕተ ዕጽፊ ይዛይድ- መጽናዕቲ
ወለዶም ሽጋራ ዘትክኹ ወርጠበታት፡ ኣትከኽቲ ናይ ምዃን ዕድሎም ብኣርባዕተ ኢድ ዝዛየደ ከምዝኾነ ተመራመርቲ እንግሊዝ ገሊጾም፡፡
ወለድን ናበይቲ ህጻናትን ሓድሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምትካኽ ንሓዋሩ ደው ከብሉ መንግስቲ ይጉስጉስ ኣሎ፡፡
እቲ ጎስጓስ ኣትከኽቲ ኣብ መናእሰይ ዘሕድርዎ ጽልዋ ኣመልኪቱ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ተሞርኲሱ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ወለዶም ኣትከኽቲ ዝኾኑ 4.9 ሚኢታዊት ኣፍላ መንእሰያት ምትካኽ ከምዝጀመሩ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር፡፡
ብኣንጻሩ ወለዶም ኣትከኽቲ ዘይኮኑ 1.2 ምኢታዊት ኣፍላ መንእሰያት ምትካኽ ከምዝጅምሩ ገሊጹ፡፡
ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና እንግሊዝ ዝዳለወ ፊልም፡ ሰብ ሞያ ኣብ መንጎ እቶም ነገራት ዘሎ ምትእስሳር ኣመልኪቶም እንትላዘቡ የርእይ፡፡
ኒጋት ኣሪፍን ብቲና ሆህነን ዝተባህሉ ክልተ ዶኳትር ድማ ስድራቤታት ምትካኽ ደው ኣቢሎም ዘላቒ ረብሓ ዘምጽእ ለውጢ ክገብሩ ይምዕዱ፡፡
ሚኒስትሪ ጥዕና ማጊ ስሮፕ ብወገና እቲ መጽናዕቲ ስድራቤታት ምትካኽ ደው ከብሉ ተወሳኺ ምንቕቓሕ ክፈጥር ይኽእል እዩ ኢላ፡፡
ንሳ፡ ምትካኽ ደው ከብሉ ንዝደልዩ ሓገዝ ከምዝተዳለወ እውን ገሊጻ፡፡
እቲ ሓገዝ እቲ ሚኒስትሪ ብዘዳለዎ መተግበሪ፣ ፌስቡክ፣ መዓልታዊ ዝለኣኹ መልእኽቲታት ጽሑፍን ኢሜይልን ኣቢሉ ዝወሃብ እዩ፡፡