ፍሉጥ ኣሜሪካዊ ራፐር ‘ድራኪኦ ዘ ሩለር’ ኣብ ናይ ሙዚቃ መድረኽ ብበሊሕ ነገር ተቐቲሉ

‘ድራኪኦ ዘ ሩለር’ ብዝብል ዝፍለጥ ኣሜሪካዊ ራፐር ዳረል ካልድወል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ድራኪኦ ዘ ሩለር ኣብ ‘ስፖቲፋይ’ ወርሓዊ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ኣድመጽቲ ነይሮምዎ
Published

ብናይ መድረኽ ስሙ ‘ድራኪኦ ዘ ሩለር’ ብዝብል ዝፍለጥ ኣሜሪካዊ ራፐር ዳረል ካልድወል ኣብ ሎስኣንጀለስ ኣብ ዝተዳለወ ፌስቲቫል ሙዚቃ ብበሊሕ ነገር ተወጊኡ ከምዝተቐተለ ተገሊጹ።

ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ ድምጻዊ ዳረል ቀዳም ምሸት፡ ኣብቲ 'ዋንስ ኣፕኦን ኤ ታይም' ዝበሃል ፌስቲቫል ሙዚቃ ሎስ ኣንጀለስ ስራሕቱ ንምቕራብ መደብ ከምዝነበሮ ተፈሊጡ'ሎ።

ሰንበት ንጉሆ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበ ናይቲ ስነጥበባዊ በዓልሞያ ምውዕዋዕ “ድራኮ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ’ሎ” ክብል ኣፍሊጡ።

እቲ ራፐር ደርፍታቱ ከቕርብ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን ብድሕሪ መድረኽ ብዝተፈጠረ ጎንጺ ብበሊሕ ነገር ከምዝተወግአ ይግለጽ።

ነቲ ጉዳይ የጻርይ ዘሎ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ክሳብ ሰንበት ንጉሆ ኣብ ዝነበረ ሰዓታት ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ተጥርጣሪ ከምዘይነበረ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ ነይሩ።

ድራኪኦ ዘ ሩለር ኣብ ‘ስፖቲፋይ’ [ናይ ኦንላይን ማዕኸን ሙዚቃ] ወርሓዊ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ኣድመጽቲ ነይሮምዎ።

ምስ ስሙይ ካናዳዊ ራፐር ድሬክ ‘ቶክ ቱ ሚ’ ዝብል ርእሲ ዝሃብዋ ሓንቲ ደርፊ ሰሪሖም ምንባሮም ድማ ይዝከር።

እቲ መንእሰይ ድምጻዊ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወሰደ፡ ዝበጽሖ ጉድኣት ከቢድ ብምንባሩ ግን ብህይወት ንምትራፉ ኣይተኽኣለን።

ቢቢሲ ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ፈቲኑ ነይሩ።

ኣዳላዊ እቲ ፌስቲቫል ሙዚቃ ዝኾነ ‘ላይቭ ኔሽን’ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብድሕሪ መድረኽ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ከምዝነበረ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ክስተት ስዒቡ እቲ ፌስቲቫል ክዛዘም ካብ ዝተትሓዘሉ መደብ ብሓደ ሰዓት ኣቐዲሙ ክዕጸው ከምዝተገበረ ድማ ተፈሊጡ።

ንሞት ራፐር ድራኪኦ ዘ ሩለር ስዒቡ ብዙሓት ኣድነቕቱን መሓዙቱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ሓዘኖም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።

ፍሉጥ ጸሓፊ ጄፍ ወይስ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ሓድሽ ናይ ራፕ ቋንቋ ዝፈጠረ፤ ንመትኒታት ዝትንክፉ ዜማታትን ቃላትን ዝፈጠረ ናይዚ ወለዶ ዓብዪ ስነጥበበኛ ነይሩ” ክብል ገሊጽዎ።