ኲናት ኢትዮጵያ፡ ብህወሓት ተታሒዞም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ተፈጺሙ ዝበሃል ዕንወት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Health
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ቅድሚ ኣዋርሕ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተስፋሕፊሑ ሓይልታት ትግራይ ገለ ከባቢታት ዓፋርን ሰፊሕ ካባቢታት ኣምሓራን ተቖጻጺሮም ጸኒሖም፡፡
ኣብዚ እዋን ክልል ዓፋር ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ከም ዘሎ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ውሱን ከባቢታት ኣምሓራ ግን ሐዚ እውን ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ እዩ ዘሎ፡፡
ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዞም ኣብ ዝነበሩን ነጻ ዝወጹን ከባቢታት ኣብ ናይ መንግስትን ናይ ህዝቢ መሰረተ ልምዓትን ዕንወትን ስርቅን ከም ዝተፈጸመ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም፡፡
ዋላኳ ዛጊድ ምላሽ እንተዘይሃቡ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰላማውያን ሰባትን መሰረተ ልምዓትን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዘይፈጸሙ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም፡፡
ፋብሪካታት
ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበራ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብዙሓት ፋብሪካታት ከም ዝዓነዉ ሚኒስትሪ ኢንዳስትሪ ይገልጽ፡፡
ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበ ሚኒስትሪ ኢንዳስትሪ መላኩ ኣለበል፡ ዛጊድ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ክልቲአን ከተማታት ኣብ 40 ፋብሪካታት ዕነወትን ስርቅን ከም ዘጋጠመ ተዛሪቡ፡፡
ካብዚኦም እቶም ሸሞንተ ኣብ ቀረባ ናብ ስራሕ ክምለሱ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ከም ዘለዉ፣ ካልኦት ሸሞንተ ማእከላይን 24 ቀሊል ዝበሃልን ዕንወት ከም ዘጋጠሞም ተዛሪቡ፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብተን ፋብሪካታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣስታት 11 ሽሕ ሰባት ኣብ ጸገም ከም ዘለዉ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ ሓይልታት ትግራይ ዝምታ ፈጺሞምን ንብረት ፈቲሖም ወሲዶምን ክብል ከሲሱ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ንከባቢታት ኣምሓራ ተቖጻጺሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብፍላይ ኣብ ኢንዳስትርያላዊት ከተማ ኮምቦልቻ ዝምታ ከይፍጸምን ጉድኣት ከይወርድን ከም ዝሓለዉ ገሊጾም ነይሮም፡፡
ኣብያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን
ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ 4 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ስርቅን ዕንወትን ከም ዝተፈጸመ ቢሮ ትህምርቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ፡፡
በዚ ምኽንያት ልዕሊ 1.9 ሚልዮን ተምሃሮን ልዕሊ 116 ሽሕ መምህራንን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ቦኲሮም ኣለዉ ኢሉ፡፡
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ብወገኑ ዝዓነዉ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናጽ ልዕሊ 11 ቢልዮን ብር የድሊ ኢሉ፡፡
ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ ምስ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕተት ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ 2159 ትካላት ጥዕና ዓንዮም ኢላ፡፡
ካብቶም ዝምታን ዕንወትን ዝተፈጸሞም ትካላት እቶም 1706 ኬላታት ጥዕና፣ 418 መደበራት ጥዕናን 34 ሆስፒታላትን ከም ዝኾኑ ጠቒሳ፡፡
‘‘ገሊኦም ህንጸኦም ዝፈረሰ፣ ብዙሓት ዝተዘምቱ፣ ምንቅስቓስ ዘይከኣሉ ኣብቶም ትካላት ዝነበሩ መሳርሕታት ዓንዮምን እዮም’’ ኢላ፡፡
ቢሮ ጥዕና ክልል ኣምሓራ ብተመሳሳሊ ተፈጺሙ ብዝተባህለ ዕንወት 3.7 ሚልየን ዜጋታት ንሕጽረት ኣገልግሎት ሕክምና ተቓሊዖም ኢሉ፡፡
መዓርፎ ነፈርቲ ላሊበላን ደረቕ ወደብን
ኣብ ከተማ ላሊበላ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኮነ ተባሂሉ ከቢድ ዕንወት ከም ዝበጸሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገልጽ።
ኣብቲ መዕርፎ ነፈር ዝነበሩ ኣቑሑት ተዘሚተምን ዝተረፉ ኣገልግሎት ምሃብ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ከም ዘለዉን'ውን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ገሊጹ፡፡
ከተማ ላሊበላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት ዳግም ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ኣትያ እያ፡፡
ኣብ ኮምቦልቻ ኣብ ዝነበረ ደረቕ ወደብ ኣብ ዝነበሩ ልዕሊ 100 ኣቑሑት ዝሓዙ ኮንቴነራት ድማ ዝምታን ዕንወትን ተፈጺሙ ክብል መንግስቲ ይኸስስ፡፡
ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ሓይልታት ትግራይ ብቢልዮን ብር ዝግመት ዕንወት ኣብጺሖምለይ እዩ ዝብል።
ኣብ ከተማ ደሴ ዝርከብ ቤተ መዘክር እውን እታ ከተማ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከም ዝተዘምተ ተገሊጹ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ናብ ከባቢታት ወሎን ሰሜን ሽዋን ይግስግሱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ነበርቲ ኣብ ከባቢኦም ብምዃን ንብረቶም ክሕልዉ ብመራኸብቲ ብዙሃን ትግራይ ጻውዒት የቕርቡ ምንባሮም ዝዝከር እዩ፡፡







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
