መረጻ፡ ብባሊና (ብዪ) ድምጺ ዝህቡ ጋምቢያውያን

Published

ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ [ቀዳም 4 ታሕሳስ 2021] ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ድምጺ ዝሃቡ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ጣቢያታት መረጻ ክኸዱ ከለዉ ወረቐት ኣይሓዙን ነይሮም።

መብዛሕቲኦም ጋምቢያውያን በቲ ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ምሃብ ድምጺ መረጻ ሕቡናት ከምዝኾኑ ይዛረቡ።

ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ጣቢያታት መረጻ ክኸዱ ከለዉ ወረቐት ኣይሓዙን ነይሮም።

ኣብ ክንዲ ወረቐት ናብቲ ቦታ ምስበጽሑ መለለዪ መንነቶም እናተረኣየ ናብቶም ሕብርታት ዝተለኸዩን ስእሊ ሕጹያት ተወዳደርቲ ዝተጠቐዐሎምን በርሚላት ክኸዱ እዩ ዝግበር።

ኣብ ርእሲ እቶም በራሚል ከኣ ንኢሽተይ ትቦታት ዝተገበረ ኮይኑ፤ መረጽቲ ነተን ዝሓዝወን ባሊናታት (ብዪታት) ናብ ዝመርጽዎ ሕጹይ የእትውወን።

ተዓዘብቲ መረጻን ካልኦት ሰበስልጣንን ከኣ እተን ባሊናታት ናብቲ በርሚል ክኣትዋ ከለዋ ዘስምዕኦ ድምጺ እናዳመጹ ሓደ ሰብ ልዕሊ ዝፍቀደሉ ጊዜ ድምጺ ከይህብ ይቆጻጸሩ።

መዓልቲ መረጻ ምስተዛዘመ እተን ኣብ ዝተፈላለዩ በርሚላት ዝኣተዋ ባሊናታት ወጺኤን ልክዕ ከምቲ ናይ ወረቐት መውሃቢ ድምጺ በቢሓደ ይቑጸራ።

እዚ መስርሕ ድምጺ ምሃብ እታ ሃገር ናጽነታ ካብ ዝረኸበትሉ እዋን ማለት 1965 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ’ዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ዜጋታት በዚ መገዲ ድምጺ ክህቡ ዝተገበረሉ ምኽንያት ከኣ መጠን መሃይምነት ኣዝዩ ዝለዓለ ብምንባሩ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ገለ ሰበስልጣን መረጻ እታ ሃገር እዚ ብባሊና ዝካየድ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ክውገድን ብዘመናዊ መገዲ ክትካእን ድልየቶም ይገልጹ። እንተኾነ ግን እቲ ቅድሚ መዓልታት ዝተኻየደ ሃገራዊ መራጻ’ውን በቲ ዝተለመደ መገዲ’ዩ ተፈጺሙ።

ያያ ጃሜህ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2016 ተሳዒሩ ምስተኣለዩ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ክተኣታተዉ ከምዝጀመሩ ይግለጽ።

ኣብ መጻኢ ዴሞክራሲያዊ ባይታ ንምፍጣርን ብዙሓት ሕጹያት ንኽወዳደሩ ዕድል ንምሃብን ዝድለ እንተኾይኑ እዚ ናይ ባሊናን በርሚልን መሰርሕ ምሃብ ድምጺ ኣዝዩ ጠገለ ከምዘይብሉ እቶም ሰበስልጣን ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት መረጻ ኣብ ነብሲ ወከፍ ጣብያታት መረጻ ሰለስተ በርሚላት ጥራሕ ይዳለዉ ነይሮም።

ፕረዚደንት ያያ ጃሜህ ነታ ሃገር ኣብ ዝገዝኣሎም 22 ዓመታት ከቢድ ዝበሃል ፖለቲካዊ ውድድር ይረኣይ ኣይነበረን። ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እውን ሰለስተ ፕረዚደንት ጥራሕ እዮም ተራእዮም።

ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ምርጫ ፕረዚደንት ከኣ ኣዳማ ባሮው ብዘይከቢድ ንሕንሕ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ’ሎ።

ንሱ ኣብቲ ብባሊና ዝተኻየደ መረጻ ብ53 ሚኢታዊት ድምጺ ዝተዓወተ ኮይኑ እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ዝሓሸ ድምጺ ዝረኸበ ድማ በዓልሞያ ሕጊ ኡሳይኑ ዳርቦኤ 28 ሚኢታዊት ድምጺ ከምዝረኸበ ተፈሊጡ።