ኢንዶንዥያ፡ ብውሕዱ 14 ዝቐተለ እሳተጎመራ ን11 ዓድታት ብሓሙኽሽቲ ኣድብዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ኢንዶንዥያ፡ ደሴት ጃቫ ዝርከብ ሰመሩ ዝብሃል እምባ ዝተልዓለ እሳተጎመራ ስዒቡ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብውዑይ ሓሙኹሽቲ ንዝተደብዩ ሰባት ንምድሓን ይረባረቡ ኣለዉ።
ሰብ መዚ ህይወት ኣድሕን እቲ ከባቢ ክሳብ ሕጂ 14 ሰባት ምማቶም ከረጋግጹ እንከለዉ ዓሰርተታት ብኸቢድን ብፎኲስን ተሃስዮም ከምዘለዉ ገሊጾም።
ኣብ ማሕበራዊ ሙድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዘርእዮ፡ ፖሊስን ወተሃደራትን ብሓሙኽሽቲ ንዝተደብዩ ሰባት ንምድሓን ብኢዶም እናፍሓሩ እንከለዉ ይርኣዩ።
ኣባይቲ ክሳብ ናሕሶም መካይን'ውን ምሉእ ንመሉእ በቲ ሓሙክሽቲ ተደብየን ኣለዋ።
ኣብታ ደሴት ካብ ዝርከባ ቁሸታት እተን 11 በቲ ካብ እሳተጎመራ ዝወጽአ ሓሙኽሸቲ ክድፈና እንከለዋ 56 ካብ ነበርተን ፎኵስን ከቢድን ጉድኣት ኣጋጢምዎም ኣሎ።
ኣብ ሓንቲ ካብተን ቁሸታት ዝነብር ሳሊም "10 ሰባት በቲ ከም ፈሳሲ ዝውሕዝ ዝነበረ ርሱን ጭቃ ተወሲዶም ኣለዉ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ካልእ ዓዲ ዝነበር ውለቀ ሰብ'ውን ካብታ እሱ ዝነበረላ ቁሸት 10 ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ምህላዉ ገሊጹ።
"ኩልና ንቡር ውሑጅ እምበር ብእሳተ ጎሞረ ዝሰዓበ ዋሕዚ ጭቃ ኣይመሰለናን፡ ሰማይ ሃንደብት ብትኪ ዕብልኽ ኢሉ ፤ ኣምላኽ ይመስገን ቀልጢፉ ዝናብ ስለዝጀመረ እቲ ደሮና ህድእ ኢልልና ከነተንፍስ ክኢልና" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
ውሃቢ ቃል ኣጄንሲ ህይወት ኣድሕን ኢንዶኒዥያ፡ን ሬሳታት ናይቶም ዝሞቱ ኣብ ሓደ ተኣኪቡ ከምዘሎን እቶም ዝተሃሰዩ ኣብ ዝተፈላለየ ሕክምናታት ናብዩት ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ኣጄንሲ ክሳብ ሕጂ 1300 ሰባት ካብቲ ሓደገኛ ቦታ ናብ ውሑስ ቦታ ኣግዒዙ ከምዘሎ ብምግላጽ 10 ኣብ መስርሕ ዕደና ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰባት'ውን ብሰላም ክወጽኡ ከምዝኸኣሉ ገሊጹ።
ነቶም ናብ ውሑስ ቦታ ግዒዞም ዘለዉ ግዝያዊ መጽለሊ፣ መግቢ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካልእን ዝርከቦ መሰረታዊ ቀረባት ተዳልይሎም ከምዘሎ'ውን እቲ ኣጄንሲ ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ ክስተት እሳተጎመራ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ በቲ እሳተጎመራ ዝሰዓበ ብርቱዕ ሓሙኽሽቲ ናብ ወሓዚ ጭቃ ስለዝቀየሮ ኣብ መስርሕ ምውጻእ ነበርቲ እተን ቁሸታት ዕንቅፋት ምፍጣሩ ተገሊጹ።
እምባ ሰመሩ፡ ብተደጋጋሚ እሳተጎመራ ዘጋጥመሉ እምባ ኮይኑ እቲ ካብቲ እሳተጎመራ ዝወጽእ ትክን ዶሮናን ክሳብ 4300 ሜትሮ ብራኽ ንላዕሊ ከምዝውንጨፍ ይግለጽ።
እምባ ሰመሩ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 3676 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ኣብ ኢንዶንዥያ ዝርከቡ 130 ዝኾኑ ንጡፋት እሳተጎመራታት እዩ።
ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ታሕሳስ 2020 ከምዝተተኮሰን ኣሽሓት ሰባት ካብ መንበሪ ቤቶም ንኽፈናቐሉ ምኽንያት ኮይኑ ከምዝነበረን ይዝከር።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
