ኢትዮጵያ ዝሞቦቆሉ ኣባል ቤትምኽሪ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገሩ ንፕረዚደንት ባይደን ኣረዲኡ

ኦባለ ኦባላ ምስ ፕረዚደንት ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Oballa Oballa

መግለጺ ስእሊ, ኦባለ ኦባላ ምስ ፕረዚደንት ባይደን
Published

ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ሃገር ሚኒሶታ ኣባል ቤትምኽሪ ከተማ ኦስቲን ዝኾነ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ኦባላ ኦባላ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባይደን ተራኺቡ ንህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘረድኣሉ እዋን ምምሕዳሩ “ንህወሓት ክድግፍ ከምዘይብሉ” ምዝራቡ ገሊጹ።

ኦባላ ኦባላ ንጆ ባይደን ኣብ ዝረኸበሉ እዋን ካብቲ ዝተወለደሉ ክልል ጋምቤላ ብምንታይ ምኽንያት ተሰዲዱ ከምዝወጽአን ሕጂ ኢትዮጵያ እትርከበሉ ኩነታትን ነቲ ፕረዚደንት ከምዝገለጸ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣኛዋክ ኣብጺሕዎ ዝበሃል በደል ካብ ሃገሩ ንኽስደድ ምኽንያት ከምዝኾነ ነቲ ፕረዚደንት ከምዘረድአ’ውን ተዛሪቡ።

“ህወሓት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ። ኣነ ግዳይ ብህወሓት ዝተጀመረ ዓሌታዊ ጭፍጨፋ እየ። እዚ ተዛሪበ ኣለኹ” ይብል ኦባላ።

ወሲኹ’ውን “ፕረዚደንት ኣመሪካ ብቐሊሉ ምላሽ ክህብ እዩ ምባል ኣይከኣልን። እንተኾነ ግና ዝበጽሓኒ ምንክልባት ከምዘሕዘኖ ነጊሩኒ። ብድሕሪኡ ሓቢርና ክንሰኣል ሓቲቱኒ ተሳኢልና” ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት “ኣብ ቀጻሊ ክንራኸብ ተስፋ እገብር” ከምዝበሎ ዝሓበረ ኦባላ፤ ኣብ መጻኢ ምስቲ ፕረዚደንት ኣብ ዋይት ሃውስ ተራኺቡ ከምዝዝትይ ተስፍኡ ገሊጹ።

ሕጂ ዝኸውን ዘሎ ነገራት “ንዓይ ውልቃዊ ጉዳይ እዩ” ዝብል ኦባላ፡ ኣብ ጋምቤላ ከም ዝተፈጸመ ዝገልጾ ምጭፍጫፍ ዓሌት ክሳዕ ሕጂ “ዝተዛረበሉ የሎን” ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ብህወሓት ብዓብላልነት ስልጣን ሒዙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ዝተገለሉ ብሄራት ኣለው” ብምባል’ውን ንህወሓት ይነቅፍ።

ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ “ብዝበዝሐ ህዝቢ ኢትዮጵያ” ከምዝተመረጸ ዝገልጽ ኦባላ፡ ህወሓት “ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልዩ ናብ ስልጣን ከምለስ ይደልይ” ክብል ከሲሱ።

ኦባለ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ብኸመይ ተራኺቡ?

ኣብ ክፍለ ሃገር ሚኒሶታ እትርከብ ከተማ ኦስቲን ኣባል ቤት ምኽሪ ዝኾነ ኦባላ ኦባላ ነቲ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ ከረድእ ከሎ “ነቲ ፕረዚደንት ብኣካል ምርካብ ዓብዪ ነገር እዩ” ይብል።

“ሰኑይ ካብ ምምሕዳር ሚኒሶታ ቴለፎን ተደዊሉለይ፤ እቲ ፕረዚደንት ናብ ሚኒሶታ ከምዝመጽእ’ውን ተነጊሩኒ። ‘ንዓኻ ቦታ ኣሎ’ ምስ በሉኒ ኣዝየ ተሓጒሰ” ኢሉ።

ባይደን ኣብታ ክፍለ ሃገር ተረኺቡ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዘጽደቖ ሕጊ መደረ ድሕሪ ምስምዑ እናተዘዋወረ ሰባት ከዘረራብ ጀሚሩ።

ኣብቲ ዕለት ነቲ ፕረዚደንት ናይ ምርካብ ዕድል ዝነበሮም ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ሴነተራትን ምንባሮም ዝገለጸ ኦባላ፤ ኣመሓዳሪ ክፍለ ሃገር ሚኒሶታ፡ ነቲ ፕረዚደንት ጽግዕ ኢለ ሰላም ክብሎ ኣተባቢዑኒ ይብል።

“እዚ ኣብ ዘበን ህይወት ሓንሳእ ዘጋጥም ዕድል እዩ። ጽግዕ ኢለ ‘ሚስተር ፕረዚደንት’ ኢለዮ ሰላምታ ተለዋዊጥና። ብድሕሪኡ መጺኡ ስመይ ሓቲቱኒ” ብምባል ነቲ ኣጋጣሚ ይዝክር።

ወዲ 28 ዓመት ኦባላ ቅድሚ ገለ ዓመታት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ጋምቤላ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ህዝቢ ኣኝዋክ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም እዩ ካብታ ሃገር ሃዲሙ ዝወጽአ።

ኦባላ ብስደት ኣብ ዝኣተወላ ኣመሪካ ንገለ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ኣባል ቤትምኽሪ ንምዃን ዘድልዮ ዜግነት ቅድሚ ክልተ ዓመታት እዩ ረኺቡ። ብድሕሪኡ ከኣ ተወዳዲሩ ተመሪጹ።