ዲ.ኣር.ሲ.፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 22 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
Published
ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ [ዲ.ኣር.ሲ.] ኢቱሪ ኣብ ዝብሃል ዞበና ተፈናቐልቲ ኣብ ዝተዓቖቡሉ መዓስከር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮደኮ [Cooperative for the Development of Congo] ተባሂሎም ዝጽውዑ ጉጅል ከምዝፈጸምዎ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ሰብ መዚ ቀይሕ መስቀል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዕሰራ ሰባት ኣብ ክልተ ጋህሲ ብሓደ ከምዝተቐበሩን ድሒሮም ኸኣ ክልተ ብሓደ ከምዝተቐበሩ ብሓፈሻ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓስከር 29 ሰባት ተቐቲሎም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።
ዞባታት ኢቱሪን መዳውብታ ዞባ ሰሜን ኪቩን፡ መንግስቲ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ብዕጡቃት ኮደኮን ኪዳን ዲሞክራስያዊ ሓይልታት (ADF) ንዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ ብረታዊ መጥቃዕትታት ንምቁጽጻር ካብ 7 ግንቦት ጀሚሩ ክባዊ [ክርደና] ኣዋጅ ከምዝደንገገ ይዝከር።
ከም ኣካል እቲ ክባዊ ኣዋጅ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሲቪላውያን ሓለፍቲ ብወተሃደራውያን ሓለፍቲ ከምዝትክኡ እዩ ተገይሩ ዘሎ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
