እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሊብያ፡ ሓደ ኤርትራዊ ሓታቲ ዕቑባ ብመኪና ተሃሪሙ ከምዝተቐትለ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ
ኣብ ሊብያ ሓደ ኤርትራዊ "ሓታቲ ዕቑባ" ከምዝተሞተ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
እቲ ኤርትራዊ ትማሊ ኣብ ርእሰከተማ ትሪፖሊ ብመኪና ተሃሪሙ ምቕታሉ "ኣዝዩ ከምዝሓዘነ" ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
ብመሰረት ነቲ ትካል ዝበጽሕዎ ጸብጻባት፡ እቲ ግዳይ ኣብቲ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ሓይልታት ጸጥታ ሃዲሞም ዝእከብሉ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ማእከል'ዩ ተቐቲሉ።
"እቲ ሓታቲ ዕቑባ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ብዙሕ ከይጸንሐ ሞይቱ" ዝበለ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር: ኩነታት ኣማውትኡ ብንጹር ንምፍላጥ መርመራ ክግበር ጸዊዑ'ሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝወሰድዎ ስርሒታት ነቶም ኣብ ጎደናታት ኣጽሊሎም ዝነብሩ ስደተኛታት ብምእሳር ንመጽለሊኦም ከምዘፍረሱ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ብሰንኪ'ቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብዘይመጽለሊ ከምዝርከቡ ጸብጻባት ይገልጹ።
ምስቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብዝተሓሓዝ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ብማህረምቲ ከይተረፈ ከምዝቖሰሉ ተሓለቕቲ ይዛረቡ።
እቲ ትካል ከምዝበሎ ኣብቲ 'ኮሚቲ ደይ ሰንተር' ዝተባህለ ማእከል ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎታት "ብሰንኪ ጸጥታዊ ውሕስነት" ደው ከምዘበሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት ንዝርከቡ ስደተኛታት ደገፍ ከምዝህብ ይሕብር።
ሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት እቲ ትካል እኹል ኣድህቦን ደገፍ ከምዘይገብረሎምን'ዮም ዘማርሩ።
ብኣተሓሕዛ ሰብመዚ ጸጥታ ሊብያ ዝተቖጥዑ ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፋለለያ ሃገራት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከካይዱ ምቕናዮም ይዝከር።
ድሕሪ'ቲ ኣብ ኤምባሲታት ሊብያ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ሰብመዚ ሊብያ፡ በቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜታት ይቕሬታ ከምዝሓተቱ ይፍለጥ።
ሊብያ፡ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝመጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ዝሓልፉላ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።
ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ድሕሪ ምውልዑ፡ ድሕነት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ይዝከር።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት ስደተኛታት ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ተፈጺሞም ነይሮም'ዮም።
ኣሰጋገርትን ነጋዶ ሰብን'ውን ኣብ ምጭዋይን ምሻጥን እቶም ስደተኛታት ተሳቲፎም ምንባሮም ይዝከር።
ብዙሓት ካብኦም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተመሊሶም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ይግለጽ። እቲ ስጉምቲ ብደገፍ ሃገራት ኣውሮጳን ሕብረት ኣውሮጳን ዝካየድ ምዃኑ ይፍለጥ።