ቅልውላዉ ትግራይ፡ ን11 መዓልታት ረዲኤት ዝጸዓነት መኪና ናብቲ ክልል ከምዘይኣተወት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, UN Ethiopia
ኣብ ዝሓለፈ 11 መዓልትታት ዝኾነት ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መኪና ናብ ትግራይ ከም ዘይኣተወት ብዘይካ'ዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝኸውን ቀረብ ነዳዲ ናብታ ክልል ከምዘይኣተወ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሰብኣዊ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ጽዒነን ናብቲ ክልል ዝተበገሳ መካይን ካብ ሰብ መዚ ፍቓድ ክሳዕ ዝረኽባ ኣብ ሰመራ- ክልል ዓፋር ደው ኢለን ከም ዘለዋ ሓቢሩ።
ናይቲ ብሰንኪ ኣብታ ክልል ዝተወልዐ ኲናት ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ጠለብ ንምምላእ መዓልታዊ መግቢ፣ ካልእን ነዳድን ዝጸዓና 100 መካይን ናብታ ክልል ክኣትዋ ከም ዘድሊ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ካብ 12 ሓምለ ንነጀው እቲ 15 ሚእታዊ ጥራይ ምቕራብ ከም ዝተኸኣለ ይገልጽ።
ብሰንኪ እቲ ሕጽረት ቀረብ ነዳዲ መብዛሕትኦም ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝወፈሩ ትካላት ንዝዓበየ ክፋል ንጥፈታቶም ኣደስኪሎምዎ ምህላዎም'ውን እቲ ብሓሙስ ዝወጸ ጸብጻብ የመልክት።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ጽዒነን ናብቲ ክልል ዝኣተዋ መኻይን ይምለሳ ከም ዘየለዋ ብምግላጽ ህወሓት ንወተሃደራዊ መዓላ ይጥቀመለን ኣሎ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
ሰበስልጣን ህወሓት ግና እተን መካይን ንመምለሲ ዝኸውን እኹል ነዳዲ ከይሓዛ ከም ዝኣተዋ እዮም ዝገልጹ።
እቲ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፊሑ ስለዝተላብዐን ኣብተን ክልላት'ውን ብዙሕ ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ይመዛበል ብምህላውን ሰብኣዊ ኩነታት የንቆልቁል ከምዘሎ 'ኦቻ' ገሊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰሜን ወሎ፣ ኣብ ከባቢ ደሴን ኮምቦልቻን ብርቱዕ ኲናት ከም ዘሎ ምንጭታት ይገልጹ።
ብመንግስቲ ግብረሽበራዊ ምዃኑ ብዝግለጽ ህወሓት ዝቕለሱ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ''ኣብ ቀለበት ርሕቐት መድፍዕ ኣእቲናዮ'' ዝበሉዎ መዓርፎ ነፍርቲ ኮምቦልቻ ሲቪላውያን ነፈርቲ ከይዓልባ ብሰኑይ ኣጠንቂቖም ነይሮም፡፡
ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣቶ ኣበበ ገብረመስቀል ብሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ናብታ ከተማ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ከቢድ ብረት ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ሰለስተ ከም ዝቖሰሉ ተዛሪቡ። ነታ ከተማ ንምሓዝ ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ዝሃብዎ ርእይቶ የሎን።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ናብታ ኣብ ደቡብ ወሎ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ወሎ ከም ዝኣተዉን ምስቶም ኣብታ ከተማ ዓስኪሮም ዘለዉ ሓይልታት መንግስቲ ይዋግኡ ከም ዘለዉን ሓቢሮም።
ኣብ ትግራይ ቲቪ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ንከተማ ደሴ ምቁጽጻር ጀሚሩ'ሎ" ብምባል "ሰላማዊ ህዝቢ ንዘይምጉዳእ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጢቡ፡ ብኻልእ ኣንፈት ንቕድሚት ኣብ ምግስጋስ ይርከብ" ኢሎም።
እንተኾነ ግን፡ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣቶ ሰይድ ዮሱፍ፡ ናብታ ከተማ ዝኣተወ ሓይሊ ህወሓት የለን ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።
በቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ከካይዶ ዝቐነየ ደብዳብ ነፈርቲ'ውን ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ካብቲ ክልል ይገልጹ።
እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየትን ሞትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
