እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩዕሶ እግሪ፡ ኣሰልጣኒ ክለብ ባርሲሎና ሮናልድ ኮማን ካብ ስርሑ ተሰጒጉ
ን14 ኣዋርሕ ንስጰኛዊት ክለብ ባርሲሎና ዘሰልጠነ ሮናልድ ኮማን ካብ ስርሑ ተሰጒጉ።
እታ ካብ 10 ጸወታታት ላሊጋ 15 ነጥቢ ጥራይ ዘዋህለለት ክለብ ባርሲሎና ኣብ ናይ ቻምፕዮንስ ሊግ ናይ ምድብ ጸወታ'ውን ኣካታቲላ ክልተ ግዜ ተሳዒራ ኣላ።
ባረሲሎና ክሳብ ሕጂ ካብ ዘካየደቶ 10 ጸወታታት ላሊጋ፡ ኣርዕተ ግዜ ዓዊታ፡ ሰለስተ ግዜ ማዕረ ወጺኣ፡ ሰለስተ ግዜ ኸአ ተሳዒራ ኣላ።
ኣብ ሰሌዳ ላሊጋ ካብቲ ቀዳመይቲ ዘላ ርያል ማድሪድ ብሽዱስተ ነጥቢ ድሒራ ኣብ 9 ደረጃ እያ ተቐሚጣ ዘላ።
ግኑን ስም ዘይጸንሐን ክለባት ርያል ቤትስ፡ ርያል ሶሲዳድ፡ ራዮ ቫለካኖ፡ ኣሳሱናን ኣትለቲክ ክለብን ኣብ ሰሌዳ ላሊጋ ንባርሲሎና በሊጸናኣ ዘለዋ ክለባት'የን።
ትማሊ ረቡዕ ብክለብ ራዮ ቫለካኖ ዝገጠማ ናይ ሓደ ብዜሮ ስዕረትን ብሰንበት ኣብ ሜዳኣ ብርያል ማድሪድ ዘጋጠማ ስዕረትን ኣሰልጣኒ ሮናልድ ኮማን ካብ ስርሑ ንኽስጎግ ነዳዲ ካብ ዝወሰኸ ክስተት እዩ።
ክለብ ባረሲሎና ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ "ፕረዚደንት ከለብ ባርሲሎና ጅዋን ላፖርታ ነቲ ናይ ምስጓግ ውሳነ [ንሮናልድ ኮማን] ድሕሪ ብራዮ ቫለካኖ ዘጋጠመ ስዕረት ሓቢርዎ" ድሕሪ ምባል "ሮናልድ ኮማን ሓሙስ [ሎሚ] ንኣባላት ባርሲሎና ክፋነዎም'ዩ" ኢላ።
ወዲ 58 ዓመት ሮናልድ ኮማን ንሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ፡ ንክለብ ኤቨርተንን ሳውዝሃፕተንን ዘሰልጠነ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክለብ ባርሲሎና ኣብ ውድድራት ላሊጋ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ጸወታኣ ከምትዛዝም'ዩ ገይርዋ።
ሮናልድ ኮማን ኣቐዲሙ እታ ክለብ ሓደሽቲ ተጻወትቲ ኣብ ምፍራም ከምዝዛሕተላትን ንልዮነል መሲ ምፍናዋን ቅር ከምዝበሎ ገሊጹ ነይሩ እዩ።
"እዛ ክለብ ሚዛን ኣጥፊኣ'ያ፡ ውጽኢታውያን ዝኾኑ ተጻወትቲ ከሲራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወቅትታት ካልኦት ክለባት ብተጻወትቲ ክስውዳ እንከለዋ ንሕና ግን ዝነበሩና ከምዝስኣንና'ዩ ዘርኢ" ኢሉ።
ናይ ማእከል ተጻዋታይ ክለብ ባርሲሎና ዝነበረን ሕጂ ንቀጠራዊት ክለብ ኣል ሳድ ዘሰልጥነ ዘሎ ዛቪ ንሮናልድ ኮማን ተኪኡ ነታ ክለብ ከሰልጥን ካብ ብዙሓት ትጽቢት ተገይርሉ ኣሎ።
ክልብ ባርሲሎና ካብ ሜድኣ ወጻኢ ኣካታቲላ ሸቶ ከየመዝገበት ስለስት ግዜ ስዕረት ክትቀምስ፡ ድሕሪ እቲ ብእንግሊዛዊ ኣሰልጣኒ ቱሪ ቨናበልስ እናሰልጠነት እንከላ ኣብ መስከረም 1987 ዘጋጠማ ስዕረት እዚ ናይ ሕጂ ንመጀመርታ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ሮናልድ ኮማን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንክለብ ባርሲሎና ዋንጫ ኮፓ ደል ሬይ'ኳ እንተኣዕተራ፡ ኣብ ላሊጋ ብክለባት ኣትለቲኮ ማድሪድን ርያል ማድሪድን ተበሊጻ ድሕሪ 2008 ዝውሓደ ነጥቢ ብምውህላል ሳለሰይቲ ኮይና ውድድራ ከምትዛዝም እዩ ገይርዋ።
ሮናልድ ኮማን ካብ ነሓሰ 2020 ጀሚሩ'ዩ ንክለብ ባርሲሎና ከሰልጥና ጸኒሑ።