ሕብረት ኣፍሪቃ 110 ሚልዮን ‘ሞዴርና’ ዝተባሃለ ክታበት ኮሮና ክዕድግ’ዩ

Published

ሕብረት ኣፍሪቃ 110 ሚልዮን ክታበት ኮሮናቫይረስ ካብ ኩባንያ ሞዴርና ክዕድግ ውጥን ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ብመሰረት ኣሜሪካ ዘቀላጠፈቶ ስምምዕ እቲ ፈለማይ ዙር 15 ሚልዮን ክታበት ኣብ መዛዘሚ 2021 ናብ ኣፍሪቃ ክኣትው ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ተወሳኺ 35 ሚልዮን ክታበት ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2022 ናብታ ኣህጉር ዝኣትው ኮይኑ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ድማ ኣስታት 60 ሚልዮን ክቐርብ’ዩ ተባሂሉ።

ኩሎም ክታበታት ከኣ ኩባንያ ሞዴርና ብዝተሓተ ዋጋ ዘቕረቦም’ዮም።

ሞዴርና፡ ኣብ መእተዊ 2023 ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ከፍርይ ዝኽእለሉ ኩነታት ንምፍጣር ውጥን ኣለዎ።

“እተን ዝተሓተ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ዝጠልብኦ መጠን ክረኽባ ኣብ ምግባር ክታበትና ወሳኒ እጃም ከምዝህልዎ ኢና ንኣምን” ክብል ዋና ሓላፊ ኩባንያ ሞዴርና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።

እዚ 110 ሚልዮን ክታበት ናይ ምቕራብ ስምምዕ፤ ኣብቲ ቅድም ክብል ብኮቫክስ [ድኻ ሃገራት ክታበት ኮሮናቫይረስ ንኽበጽሐን ዘኽእል ዓለማዊ መስርሕ] ኢቢሉ ከቕርቦ ኣብ ዝተሰማምዐሉ 500 ሚልዮን ክታበት ተወሳኺ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ነቲ 500 ሚልዮን ክታባት ካብ ናይ መወዳእታ ርብዒ ዓመት 2021 ክሳብ 2022 ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ ከቕርቦ።

ክታበት ሞዴርና ኣብዚ እዋን ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ናይጀርያ፣ ቱኒዝያ፣ ኬንያ፣ ጋና፣ ርዋንዳ፣ ማሊን ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ኣብ ረብሓ ውዒሉ’ሎ።

ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዛጊት እቲ 5 ሚኢታዊት ምሉእ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸተበ ይግለጽ።