እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቱርኪ፡ ንልኡኽ ኣሜሪካ ሓዊሱ 10 ኣምባሳደራት ካብ ሃገራ ንምስጓግ ትንቀሳቐስ ኣላ
ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጠይብ ኤርዶጋን፡ ኣምባሳደራት ኣሜሪካ፣ ጀርመንን ፈረንሳይን ሓዊሱ 10 ኣምባሳደራት ተቐባልነት ዘይብሎም ልኡኻት (ፐርሶና ናን ግራታ) ክበሃሉ ኣዚዙ።
ልኡኻት እተን ሃገራት፡ ብመንግስቲ ቱርኪ ንዝተኣሰረ ነጣፋይ ዖስማን ካቫላ ብህፁፅ ክፍታሕ መግለፂ ምውፅኦም ስዒቡ’ዩ፡ ፕረዝደንት እታ ሃገር ነዚ ውሳነ ወሲኑ ዘሎ።
ነጣፋይ ዖስማን ካቫላ፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ብምውሃድን ብፈተነ ዕልዋ መንግስትን ብዝብል ክሲ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ተኣሲሩ ይርከብ፤ እንተኾነ በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብቤት ፍርዲ ገበነኛ ኣይተብሃለን።
ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝተልኣኽሉ ሃገር ተቐባልነት ዘይብሎም (ፐርሶና ንን ግራታ) እንድሕር ተባሂሎም፡ ናይ ዲፕሎማሰኛታት መሰሎም ተኣልዩ፡ ካብ ሃገር ክስጎጉ ወይድማ ልኡኻት ዝብል ደረጅኦም ይእለ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ ፊንላንድ፣ ዴንማርክ ፣ ጀርመን፣ ኔዘርላንድስ፣ ኒውዝላንድ፣ ኖርወይን ስዊድንን፡ እቲ ንዓመታት ብመንግስቲ ቱርኪ ዝተኣሰረ ነጣፋይ ዖስማን ካቫላ ክፍታሕ መግለፂ ኣውፅዮም። ካብዘን ሃገራት እተን ሸውዓተ ኣብ ኔቶ መሻርኽቲ ቱርኪ እየን።
ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ፡ ጉዳይ ነጣፋይ ካቫላ ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣውሮጳ ክሳብ ዝረአ፡ ንካቫላ ክትፈትሖ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ተግባራዊ ክትገብር፡ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ።
ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይጵ ኤርዶጋን፡ ኤስኪሴሃይር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ንዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ናብ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቱርኪ ኬዶም፡ ትእዛዝ ንምሃብ ክደፍሩ ኣይግባእን። እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ንሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ትእዛዝ ሂበ ኣለኹ” ኢሉ።
እንተኾነ፡ ስዒቡ እንታይ እዩ ክግበር ዝብል ዛጊድ ግልፂ ኣይኮነን ዘሎ።
መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር፡ እቲ ፕረዝደንት፡ ንቱርኪ ክግንዘብዋ ወይ ድማ ካብታ ሃገር ክወፅኡ ይግባእ ምባሉ የቃልሓ ኣለዋ።
ንትእዛዝ እቲ ፕረዝደንት ስዒቡ፡ ዛጊድ ካብቶም ኣምባሳደራት ዝተሰምዐ መልሲ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጀርመን፡ ኣብ ጉዳይ ስጉምቲ መንግስቲ ቱርኪ፡ ኣብ ሞንጎ ዝምልከተን ሃገራት “ፅዑቕ ምይይጥ” ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብዚ ጉዳይ ብወገን ሰብመዚ ቱርኪ ዛጊድ ብወግዒ ዝወፅአ መግለፂ የለን።
ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኖርወይ፡ ኣምባሳደር ሃገሩ “ካብ ሃገር ክሳብ ምብራር ዘብፅሕ ዝፈፀሞ ነገር የለን” ክብል ንሮይተርስ ገሊፁ።
ኣምባሳደራት እተን ሃገራት፡ መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ከይዲ ፍርዲ ነጣፋይ ካቫላ “ዝተናውሐ ምጉታት” ብምንቃፍ፡ እዚ ድማ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ቱርኪ፡ ንምኽባር ዲሞክራሲ፣ ልዕልነት ሕግን ግልፅነትን ይፀልዎ እዩ” ኢሎም።
ቱርኪ ንነጣፋይ ዖስማን ካቫላ ብህፁፅ ክትፈትሖ ድማ ፀዊዖም።
ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንዓመታት ዝተኣሰረ ካቫላ ሃገራዊ ተቓውሞ ክካየድ ኣዋዲድካ ብዝብል ንዝቐረበሉ ክሲ ናፃ እኳ እንተበሎ፡ ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዕልዋ መንግስቲ ክተካይድ ፈቲንካ ብዝብል ተኣሲሩ ይርከብ። ካቫላ ግን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ኣይቕበሎን።
ጉዳይ ካቫላ፡ ኣብ ሞንጎ ቱርክን ምዕራባውያን መሻርኽታን ወጥሪ ኣዕሲሉ ይርከብ። መንግስቲ ቱርኪ ንዝተቓውሞ 'ገበን ፈፂሙ' ብዝብል ብምእሳር ልዕልነት ሕጊ ጥሒሱ ዝብል ክስታት ይቐርበሉ። ናይዚ ሓደ ኣብነት ድማ ነጣፋይ ካቫላ እዩ።