ህንዲ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ብውሕዱ 24 ሰባት ሞይቶም ዓሰርተታት ሃለዋቶም ጠፊኡ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ደቡብ ህንዲ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ኣፍለጋት ብምምልኦም ብዝተፈጠረ ብርቱዕ ውሑጅን ምህማም መሬትን ብውሕዱ 26 ሰባት ሞይቶም።

ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ 5 ህጻናት ምዃኖምን፡ እቲ ዝናብ ይቕጽል ስለዘሎን ዝጠፍኡ ሰባት ብምህላዎምን ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ዞባ ካራላ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ ካብን ናብን ከተማታትን ገጠራትን ዘራኽብ መስመራት መጓዓዝያ ምሉእ ንምሉእ ኣቋሪጽዎ ይርከብ።

13 ሬሳታት ኣብ ካታንያም 8 ሬሳታት ኸኣ ኣብ ኢንዱኪ ዝብሃላ ኣዝየን ዝተሃስያ ወረዳታት ዞባ ካራላ ተረኺቡ።

ሚኒስተር ኣታዊታት ዞባ ኣራላ ራጃን ንቢቢሲ ሂንዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ትሽዓተ ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ሰባት ኣለዉ፡ ንዕኦም ንምርካብ ኸአ ኩለን ጉጅለታታን ኣብ ምድላይ እየን ዘለዋ" ኢሉ።

ኣብ ኢዱኩ ዝርከባ ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ብሰንበት ተወሰኽቲ 4 ሬሳታት ከምዝረኸባ ክገልጻ እንከለዋ፡ ኣብታ ወረዳ ብዝሒ ምውታት ናብ 8 ክብ ኢሉ ኣሎ።

ሓላፊ ኣሃዱ ህይወት ኣድሕን ወረዳ ኢዲኩ ሸባ ጆርጅ ንቢቢሲ ሂንዱ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሓሙሽተ ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ሰባት ኣለዉ፡ እቲ ጠፊአምሉ ዝተብሃለ ቦታ ጭቃን ታኬላን ስለዝኾነ ብህይወት ናይ ምርከቦም ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ዞባ ካራል ንመዓልታት ዝሃረመ ዝናብ፡ ሓደጋታት ምህማምን ምንሽርታትን መሬት ከኸትል እንከሎ ኣብቲ ስራሕ ህይወት ኣድሕን መንግስቲ ሰራዊት ኣዋፊሩ ኣሎ።

ብውሑጅ ንዝተኸበቡን መስመር ናይ ጽርግያ ንዝተበተኾምን ብሄሊኮፕተራት ናብ ውሑስ ቦታ ይሰግሩ ከምዘለዉ ሰብ መዚ ህንዲ ብሰንበት ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናረንድራ ሞዲ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ "ኣብ ዞባ ካራላ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ብዙሕ ሰብ ምማቱ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ንኹሎም ስድራ ግዳያት ጽንዓት ይሃብ" ኢሉ።

ሰብ መዚ ህንዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ነበርቲ ከተማ ኣለፒ ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ገሊጾም።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓል መዚ ምስ ቢቢሲ ሂንዱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ከተማ ኣለፒ ብማይ ዝተኸበበት ከተማ እያ፡ ሕጂ ግን እቲ መጠን ዝናብ ይንኪ ስለዘሎ ብመጠኑ እቲ ሳቕሎት'ውን ዝነከየ ይመስል" ኢሉ።

ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ዝናብ፡ ወዲ 75 ዓመት ሽማግለን ሰለስተ ህጻናትን ዝርከብዎም፡ ሽዱሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ከምዝሞቱ መደበር ዜና ፒቲኣይ ገሊጻ።

ኣብታ ሓሙሸት ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ወረዳ ኢዱኪ፡ ሬሳ ኣርባዕተ፡ ሸውዓትን ሸሞንተን ዕድሚኦም ሰለስተ ህጻናት ከምዝተረኸበ ተገሊጹ።

ኣብ 2018 ኣብ ዞባ ካራላ ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ 400 ሰባት ምማቶምን እንከለዉ ልዕሎ ሓደ ሜልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ምፍንቃሎምን ዝዝከር እዩ።