እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋትስኣፕ ህንዲ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ሕጊ ብሕትና ኣመልኪቱ ክሲ መስሪቱ
ዋትስኣፕ ህንዲ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ሕጊ ብሕትና ኣመልኪቱ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህንዲ ክሲ መስሪቱ።
እቲ ሓድሽ ዲጂታዊ ሕጊ፡ ንፖሊሲ ብሕትና ኣገልግሎት ዋትስኣፕ ዝግህስ እዩ።
ዋትስኣፕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንምንጪ ናይ ጽሑፍ ምልእኣኻት ንምክትታል ዝጠልብ ሕጊ ዳርጋ "ናይ ነፍሲ ወከፍ መልእኽቲ ኣሰር ኣጻብዕ ከም ምሓዝ" ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት መንግስቲ ህንዲ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ንምቁጽጻር ሓድሽ መምርሒታት ኣተኣታትዩ እዩ።
ከባቢ 400 ሚልዮን ተጠቀምቲ ዋትስኣፕ ዘለዋ ህንዲ ዝበዝሑ ተጠቀምቲ እቲ መተግበሪ ዝርከቡላ ሃገር እያ።
መንግስቲ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንምልእኣኽ ዘኽእሉ መተግበሪታት "ንመሰረታዊ ለኣኺ እቲ ሓበሬታ ግልጺ ክገብሩ" ይጠልብ።
ዋትስኣፕ እቲ ሓድሽ መምርሒ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን ብምባል እዩ ጥርዓኑ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደልሂ ኣቕሪቡ።
ኣፈኛ ዋትስኣፕ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሕጊ "ንሚስጥር ለኣኽን ተቐባልን ዘፍርስን፡ ንመሰረታዊ መሰል ብሕትና ሰባት ዘነኣእስን" እዩ ኢሉ።
ወሲኹ'ውን "ብሕትና ዓማዊልና ክጥሕሱ ንዝኽእሉ ጠለባት ብምቅዋም ኣብ ዙርያ ዓለም ምስ ዝርከቡ ሲቪል ማሕበረሰባትን ክኢላታትን ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግብራውን ውሑስን ዝኾነ መፍትሒ ንምምጻእ ምስ መንግስቲ ህንዲ ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።
ብመሰረት ሓበሬታ ዋትስኣፕ፡ ኣሰር ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ምክትታል ናይ ውልቂ ኩባንያታት ነቲ መዓልታዊ ዝስደድ ብቢልዮናት ዝቑጸር መልእኽትታት ክዓቑራን ንትካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ከረክባን ከኽእል እዩ።
ብዘይካ'ዚ ሰባት ብዙሕ ግዘ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መርበባት ሓበሬታን ዝረኸብዎ ሓበሬታ ቀዲሖም ስለ ዝልጥፉዎ፡ ንምንጪ እቲ ሓበሬታ ብልክዕ ምርግጋጽ ዘይከኣል ምዃኑ ብምሕባር ዓመጽ ከስዕብ ከም ዝኽእል ገሊጹ።
መንግስቲ ህንዲ 25 ለካቲት ዘውጽኦ መምርሒ፡ ናይ መርበባት ማሕበራዊ መራኸብን ናይ ቪድዮ ስትሪም መድረኻትን፡ ሰብ መዚ ክኣልዩዎ ንዝጠለብዎ ትሕዝቶ ኣብ ውሽጢ 36 ሰዓታት ክድምስስዎ ይጠልብ።