ንስደተኛታት ናብ ሊብያ ዝመለሰ መርከበኛ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤት ፍርዲ ዓዲ-ጥልያን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘድሓኖም ስደተኛታት ናብ ሊብያ ንዝመለሰ መርከበኛ ንሓደ ዓመት ክእሰር ፈሪድዎ።
ሓለቓ ናይታ ባንዴራ ዓዲ-ጥልያን እተንበልበል ‘ኣሶ 28’ ዝተሰመየት መርከብ፡ ነቲ ንዝኾነ ሰብ ናብቲ ሰብኣዊ መሰላቱ ኣብ ሓደጋ ናብ ዝኣትወሉ ቦታ ምልኣኽ ዝብል ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።
እቲ ብይን ምስ ፖሊሲ መንግስቲ ኢጣልያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝሳነ ኣይኮነን።
ንሳቶም ንዋሕዚ ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ ንሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከም ዝምውሉ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ሓገዛት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ሊብያ ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ምህላው ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣብ ሊብያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተዉን ንሕማቕ ኣተሓሕዛ ተቓሊዖም ከምዘለውን ዝተፈላለዩ ኣብታ ሃገር ዝነጥፉ ትካላት ረድኤት ገሊጾም እዮም።
ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሰራሕተኛታቱ ብስደተኛታት ኣብ ዝተጻበቡ ኣብያተ ማእሰርቲ ደቂ ተባዕትዮ ደው ክብሉ ተገዲዶም ከምዝረኣዩን ገሊኦም እውን ንመዓልቲታት እኽሊ ከምዘይለኸፉ ከምዝዝነገርዎም ሓቢሩ፡፡
ኣብ ካልእ መዳጎኒ ማእከል'ውን ሓያል ጎንጺ ዘስዓበ ናይ ምህዳም ፈተነ ከም ዝነበረ እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም ዝርኣዩ ሓቢሮም።
እቶም ስደተኛታት ማህረምትን ጾታዊ ዓመጽን ክበጽሖም እንከሎ ሓደ ስደተኛ ከምዝሞተ'ውን ተረጋጊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ብወሑድ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ስደተኛታት ከም ዝተኣሰሩ ይግለጽ።
ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ጾታዊ ዓመጽን መግረፍትን ልሙድ እዩ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ኣብ ሊብያ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝውሰድ ዘሎ ማዕበላዊ ኣደራዕ ኮኒኑ እዩ።
ኣብታ ሃገር ካብ 2016 ንነጀው ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝተፈጸመ ዘርኢ ጭብጢ ምርካቡ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰብመዚ ሊብያ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝፍጽምዎ ምስቓይ ደው ክብል ዝጠልብ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጽሓፈ ጥርዓን ኣብ ኢንተርነት ብዙሓት ሰባት ክታሞም የንብሩሉ ኣለው።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

