ኣብ ኦሮሚያ ምብራቕ ወለጋ 15 ሰባት ከምዝተቐተሉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፤ ወረዳ ኪረሙ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት [30 ጥቅምቲ 2014 ኣ.] ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአን ንብረት ከምዝዓነወን መሰኻኸር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
በቲ ሃሮ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ ገሊጾምልና።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ኣባላት ሓደ ስድራ ከምዝርከብዎም ሓቢሮም።
ብወገን ኣምሓራን ኦሮሞን ዘለዉ ማሕበረሰብ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነሓድሕዶም ይካሰሱ።
ብሓደ ገጽ እቲ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ነበርቲ ከምዝተወለዐ ክግለጽ ከሎ፤ ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ንባዕሉ ‘ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ’ ክብል ዝጸውዕን መንግስቲ ‘ኦነግ ሸኔ’ ዝብሎን ጉጅለ ከምኡ’ውን ሓይልታት ኣምሓራ ኣብቲ ጎንጺ ኢዶም ከምዝሓወሱ ይዝረብ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰን ዝሓለፈ መስከረምን እውን ኣብቲ ከባቢ ተመሳሰልቲ መጥቃዕትታት ተፈጺሞም ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአ ይዝከር።
ኣይተ ሃይሉ “ሸኔን ‘ኣኽረርቲ’ ሓይልታትን እዮም ኣብቲ ከባቢ ጸገም ፈጢሮም” ክብል ነቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይገልጽ።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ስለዝተዋፈሩ እቲ ኩነታት ከምዝሃድአ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ነቲ “ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ ዕጡቓት እዮም ፈጺሞምዎ” ዝብል ክሲ ይነጽጎ።
“ኣጀንድኦም ንኣምሓራን ኦሮሞን ናብ ግጭት ምእታው ስለዝኾነ ተዋዲዶም ኣብ ምንቅስቓስ ይርከቡ። ኣብቲ ቦታ ካብ ካልእ ካባቢ መጺኡ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ የለን” ኢሉ።
ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ትማሊ ረቡዕ መግለጺ ዘውጽአ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፤ “ዕጡቓት ሸኔ ካብ 30 መስከረም ጀሚሮም ኣብ ቀበሌ ሃሮ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ” ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ፣ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጽሐን ንብረት ከምዝዓነወን ሓቢሩ።
እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ብምህላዎም ድማ “ኣስከሬናት ግዳያት ምልዓልን ጉድኣት ዝበጽሖም ናብ ሕክምና ምውሳድን ከምዘይተኽኣለ ከምኡ’ውን ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ኣብ ጫካ ከምዝርከቡን” ገሊጹ። ነበርቲ ድማ ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝወደቑ ኣዘኻኺሩ።
ውድብ ፖለቲካ ኢዜማ ብወገኑ፡ ኣብ ምብራቕ ወለጋን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ክብል ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ።
“ድሕነት ንጹሃን ዜጋታት ንምሕላው ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ዘለዉ ኣካላት ጸጥታ ፌደራል ቁጽሮም ውሑድ ብምዃኑ ነቲ ህዝቢ ከድሕንዎ ካብ ዘይምኽኣሎም ብተወሳኺ ንባዓሎም እውን ግዳያት መጥቃዕቲ ይኾኑ ኣለዉ” ኢሉ።
ኣብ 12 ነሓሰ 2013 ኣ.ግ “ዕጡቓት ሸኔ” ብዝተበሃሉ ኣካላት “ንብሄር መሰረት ዝገበረ” መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ልዕሊ 150 ሰባት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ካብ መረበቶም ከምዝተፈናቐሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ብ7ን 8ን መስከረም 2014 ኣ.ግ ድማ ኣብ ቀበሌ ኪራሙ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 29 ሰባት ከምዝተቐተሉን ልዕሊ 40 ሽሕ ነበርቲ ከምዝተፈናቐሉን ሽዑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘፍለጠ ይዝከር።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
