እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብርክት ዝበሉ ቆልዑ ምቕታሉ ዝተኣመነ ኬንያዊ ካብ ቀይዲ ፖሊስ ሃዲሙ
Published
ልዕሊ 10 ቆልዑ ምቕታሉ ዝተኣመነ ኬንያዊ ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ምህዳሙ ተገሊጹ።
እቲ ማስተን ዋንጃላ ዝተባሃለ ውልቀሰብ ብዝቐረበሉ ክሲ ቅትለት 14 ኣወዳት ንረቡዕ'ዩ ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ ቆጸራ ተታሒዙሉ ነይሩ።
ፖሊስ እቲ ክሱስ ካብ ቀይዲ ምምላጡ ኣብቲ ንጉሆ ዝገብሮ ምቁጽጻር (ፎልዮን) ከም ዝፈለጠ ሓቢሩ።
ዋንጃላ ድሕሪ እቲ ኣብታ ሃገር ራዕዲ ዝፈጠረ ተደጋጋሚ ቅትለት ህጻናት፡ ፖሊስ ብዝገብሮ ዘሎ መርመራታት እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ምስ ምጥፋእ ዋንጃላ ብዝተኣሳሰር ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ጆጎ ሮድ ስራሕ ዝነበሩ ሰለሰተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ተገሊጹ።
ሰብ መዚ ነቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ዝገለጽዎ ሰብ ንምሓዝ ኣለሻ ጀሚሮም ኣለው።
ዋንጃላ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኮይኑ፤ ንንኣሽቱ ኣወዳት የደንዝዝን ይቐትልን፡ ናይ ገሊኦም ድማ ደሞም'ውን ምስታዩ ተኣሚኑ።