ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ነቲ ኣብ መንጎ ኬንያ ሶማልያን ዘሰሓሓበ ማያዊ ግዝኣት ብይን ሂቡ

Published

ኣካል ሕቡራት መንግስታት ዝኾነ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ [ኣይሲጄ ]፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ማያዊ ግዝኣት፡ ንሶማልያ ዝድግፍ ብይን ሂቡ።

ኬንያ ነቲ ዝተውሃበ ብይን ከምዘይትቕበሎ ዘፍለጠት ኮይና፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ብዘይሻራዊነት ከሲሳ።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዚ ርክብ ክለቲአን ሃገራት ዝሃሲ እዩ ክብል ነቒፉ።

እቲ ዘካትዕ ጉዳይ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ኣስታት 38 ሽሕ ትርብዒት ማይል [100 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜትሮ] ዝሽፍን ማያዊ ኣካል ዶብ ኮይኑ፡ ብነዳድን ጋዝን ዝበልጸገ ከምዝኾነ ይንገረሉ።

እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ክለቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣስዒቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ሚኒስትር ሓበሬታ ሶማልያ፡ ዖስማን ዱቤ፡ ነቲ ዝተውሃበ ብይን ብምቕባል ንሃገሩ ናይ 'እንኳዕ ደሰበ በለኪ' መልእኽቲ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊረ።

ኬንያ ነቶም ዝውክልዋ ሰብ ሞያ ሕጊ መብርሂ ንምሃብ ከምኡ'ውን ለበዳ ኮርናቫይረስ ብምጥቃስ እቲ መስርሕ ክደናጎይ እኳ ሓቲታ እንተነበረት፡ ኣይሲጄ ግና እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብማንዛ ክስማዕ እዩ ወሲኑ።

ብዘይካ'ዚ ሓደ ካብ ደያኑ እቲ ቤትፍርዲ ሶማላዊ ብምዃኑ ኬንያ ተቓውሞኣ ገሊጻ ነይራ እያ።

ኣብ 2014 ነቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ዝወሰደቶ ሶማል፡ እቲ ማያዊ ዶባት ንኣንፈት ናይቲ ናይ መሬት ዶባት ክኽተል ከም ዘለዎ ክትገልጽ እንከላ፤ ኬንያ ብወገና፡ እቲ ማያዊ ዶባት ካብቲ ኣብ ገምገም እቲ ውቅያኖስ ዘሎ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ጀሚሩ ጋድም መስመር ዝሓዘ ምዃኑ እያ እትምጉት።

እቲ ብይን እንታይ ይብል?

እቲ 14 ዝኣባላቱ ጉጅለ ዳያኑ ሄግ፡ ኬንያ ቅድሚ ሕዚ: ሶማልያ ተስማሚዓ ዝሓደረትሉ እዩ ዝብል መካትዒ: ዘረጋግጽ መረዳእታ ከምዘይረኸብሉ ይገልጽ።

እኳደኣስ፡ ነቲ ዘካትዕ ማያዊ ኣካል፡ ኣብ ክልተ ብማዕረ ክምቀል እዮም ወሲኖም።

ኬንያ ካብ መፈለምትኡ ነቲ ከይዲ ብይን ብዘይምቕባላ፡ እቲ ፍርዲ ብኸመይ ኣብ መሬት ተግባራዊ ከምዝኸውን ግልጺ ኣይኮነን።

ኣብ 2009 ብድጋፍ ሕቡራት ሃገራት ክልቲአን ሃገራት ጉዳየን ብልዝብ ክፍታሕ ተስማሚዐን ነይረን።

እንተኾነ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ እቲ ልዝብ ለውጢ ከምዘየምጸአ ዝኣመነት ሶማልያ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ክትወስዶ ክኢላ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ፡ ማህዲ ሞሓመድ ጉለድ፡ ቅድሚ እቲ ብይን ምውሃቡ፡ ሃገሩ በቲ ዝወሃብ ብይን ከምእትስማማዕ ንቢሰሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ኬንያ እቲ ከይዲ 'ሕጊ ዘይተኸተለ'ን ወገንተኝነት ዘስምዕን ክትብል ኪሲሳ ነይራ።

እቲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዘጓንፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ክትዕ ናይ ምርኣይ መሰል ኣለዎ።

እንተኾነ ኬንያ፡ ነቲ ብይን ዘይተቐበለት ብምዃና ናብ ወጥሪ ከየምርሕን እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከምርሕ ከምዝኽእልን፡ ኣብ ሄግ ወኪል ዜና ቢቢሲ፡ ኣና ሆሊጋን ተዛሪባ።

ሶማል፡ ኬንያ ንምምሕዳር ዞባ ጁባላንድ ኣንጻር ፌደራላዊ መንግስቲ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ጣልቃ ትኣትው ከም ዘላ ትኸስስ።

እንተኾነ ክልቲአን ሃገራት ኣንጻር እቲ ንገለ ክፋል ሶማል ዝቆጻጸርን ኣብ ኬንያ ብርክት ዝበለ መጥቃዕትታት ዘካየደን እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝገብርኦ ቃልሲ ብሓባር እየን ዝሰርሓ።