ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዳማ ልዕሊ 200 ኣብ ደገ ዝተደርበዩ ኣፍራስ ኣብ ቁጽጽር ውዒሎም

ምንጪ ስእሊ, ADAMA CITY ADMINISTRATION
ቤት ማዘጋጃ ከተማ ኣዳማ መዓልታዊ ቑጽሪ ኣፍራስ ይውስኽ ምህላው ከም ዘስግኦ ገሊጹ።
ኣብ ዋና ጎደናታት እታ ከተማ ብምውሓዞም ኣብ ምንቅስቓስ ትራፊክ ጸገም ይፈጥሩ ኣለው ከምኡ'ውን ቑጠባዊ ጉድኣት ኣስዒቦም ዝበሎም ልዕሊ 230 ኣፍራስ ከም ዝኣከበ ሓቢሩ።
እዞም ምምሕዳር እታ ከተማ ዝሓዞም እንስሳት ኣእዱግ እውን ዝርከቡዎም ኮይኑ ዋናታቶም ክሳብ ዝወስዱዎም ንግዚኡ ኣብ ዝተዳለወ መጽንሒ ቦታ ክጸንሑ ምዃኖም ገሊጹ።
ምኽትል ሓላፊ ቤት ማዘጋጃን ሓላፊ ኣገልግሎትን ኣዳማ ኣቶ ኮከብ ኣክሊሉ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ምስ ሰብ ዋናታት ተደጋጋሚ ዘተ ተገይሩ እዩ ይብል።
ይኹን እምበር ቑጽሪ ብፍንው ኣብታ ከተማ ዝርኣዩ ኣፍራስ ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ኢሉ።
ጉድኣት ዝበጽሖምን ኣገልግሎት ክህቡ ዘይኽእሉን ኣፍራስ ናብ ደገ ኣውጺእኻ ምድር ባይ ብልዑል ቑጽሪ ይልመድ ዘሎ ጸገም ከም ዝኾነ ኣቶ ኮከብ ኣረዲኡ።
"ኣብታ ከተማ ዝፍነው ዘለው ኣፍራስን ኣእዱግን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ቑጠባዊ መነባብሮ እቲ ሕብረተሰብን ትሕተ ቕርጽን ጉድኣት የብጽሑ ኣለው" ይብል እቲ ምኽትል ሓላፊ።
ወሲኹ "እዞም ኣፍራስ ኣብ ዋና መገዲ ወጺኦም ጠጠው ብምባል መኪና ንከይሓልፍ መገዲ ይዓጽው፤ ለይቲ ድማ ኣብ ማእከል መገዲ ጠጠው ብምባሎም ዝበጽሕ ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ ቀሊል ኣይኮነን" ኢሉ።
ብኻልእ ወገን ምምሕዳር እታ ከተማ ብዝሓዞ ባጀት ናይ ሓምለዋይ ልምዓት ስራሕቲ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምጥቃስ በዞም እንስሳት ምኽንያት ግን እቶም ዝትከሉ ጉድኣት ይበጽሖም ኣሎ ይብል።
"ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሳዕርታትን ተኽልን ኣለው፤ ለይቲ ነቶም ኣፍራስ ፈንዮም ግን የብሉዑዎም፤ ይስበሩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ሃብትን ንብረትን ህዝቢ ጉድኣት ይበጽሕ ኣሎ" ብምባል እቶም ሕሙማት ኣፍራስ ሕማማት የመሓላልፉ ምህላዎም'ውን ተዛሪቡ።
እቲ በዞም ኣፍራስን ኣእዱግን ዝበጽሕ ዘሎ ሳዕቤን ኣመልኪቱ ምስ ዋናታት ዝርርብ እኳ እንተተኻየደ ክንድ'ቲ ዝድለ ግን ለውጢ ክመጽእ ኣይክኣለን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 230 ኣፍራስ ክትሓዙ እንከለው፡ ገሊኦም ሰብ ዋና ኣፍራሶም ንምውሳድ ንቤት ማዘጋጃ እታ ከተማ ሓደ ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ከፊሎም ይወስዱ ምህላዎም ኣቶ ኮከብ ተዛሪቡ።
ካልኦት'ውን ገንዘብ ከፊሎም እንተዘይወሲዶምዎም ስጉምቲ ክውሰዶም'ዩ ኢሉ።
"ዋና ዘይብሎም ኣፍራስ ኣብ ቢሾፍቱ ምስ ዝርከብ ስፓና (SPANA) ምስ ዝተባህለ ትካል ንዘራረብ ኣለና"።
እዚ ትካል ኣገልግሎት ዘይህቡ፣ ዝሓመሙን ዝቐሰሉን ኣፍራስ ጉድኣት ከይስምዖም ብምግባር ብቐሊሉ ክውገዱ ዝገብር'ዩ።
ጥዕና ዘለዎም ኮይኖም ግን ድማ ኣገልግሎት ክህቡ ዘይኽእሉ ድማ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝርከብ ትካል ምርባሕ ሓርገጽ ንምግብነት ክውዕሉ ንምግባር ይስራሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
እቶም ጥዑያት ግን ድማ ብተደጋጋሚ ተነጊሩዎም ዋናታቶም ክወስዱዎም ዘይኽኣሉ ኣፍራስ መንግስቲ ሸይጡ ናብ ረብሓ ክውዕሉ ከም ዝገብር ኣቶ ኮከብ ገሊጹ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
