ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ መስጊድ ብዘጋጠመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 50 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ከተማ ኩንዲዝ ዝርከብ መስጊድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብታ ውሑዳን ሰዓብቲ እምነት ሺዓ ዝጥቀሙላ መስጊድ ሰይድ ኣባድ፡ ኣካላት ናይቶም ዝተቐትሉ ሬሳታት ፋሕ ኢሉ ይርአ ነበረ። ኣብታ ሰሜናዊት ከተማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ቈሲሎም እዮም።

ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ሓቢሮም። ጥሩፋት ሱኒ ሙስሊም ነቶም ከም መናፍቓን ዝርእይዎም ሺዓ ዒላማ ዝገበረ እዩ።

እቲ ኣይ-ከይ ዝበሃል ምስ ኣይኤስ ዝምድና ከምዘለዎ ዝግለጽ ብጎነጻዊ ባህሪያቱ ዝልለን ንመንግስቲ ጣሊባን ዝቃወም ጉጅለ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ዝተኻየደ መብዛሕትኡ መጥቃዕቲ ንሱ ከምዘካየዶ ሓቢሩ።

ሓደ ኣባል ጉጅለ ነብሰ ቅትለት ኣይ ኤስ እቶም ኣመንቲ ምስልምና፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ መስጊድ ተኣኪቦም እናጸለዩ እንከለው ነቲ ኣብ ነብሱ ዝተጻወደ ነታጒ ከም ዝፈንጀሮ ተሓቢሩ።

ዛልማይ ኣሎክዛይ ዝተባህለ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ነጋዳይ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ፡ ሓካይም ደም ዝልግሱ ሰባት ዘድልዮም እንተ ኰይኑ ንምርግጋጽ ተቐላጢፉ ናብ ሆስፒታል ምስ ከደ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ትርኢት ከም ዘጋጠሞ ገለጸ።

"ኣምቡላንስታት ነቶም ምዉታን ከልዕላ ናብቲ ቦታ ፍጻሜ ይመላለሳ ነበራ" ክብል ንAFP ሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ እተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብቲ መስጊድ ልዕሊ 300 ሰባት ኣብ ጸሎት ከምዝነበሩ ቶሎ ኒውስ ሓቢሩ። ቍጽሪ ምዉታት ክውስኽ ከምዝኽእል ከኣ ስግኣት ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዓርቢ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ ፡ "ኣብዚ ሰሙን ንሃይማኖታዊ ትካል ዒላማ ዝገበረ ሳልሳይ ቀታሊ መጥቃዕቲ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ተግባር ሓደ ክፋል ናይቲ "ዚርብሽ ኣገባብ ዓመጽ" ምዃኑ ገሊጹ።

ውዱብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ካቡል ኣብ ዝርከብ መስጊድ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ሓያሎ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ብረቡዕ ድማ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኮስት ኣብ ዝርከብ መድረሳ (ትምህርታዊ ትካል) መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።

ንጣሊባን ዓብዪ ስግኣት ዝፈጠረሎም ፍጻሜ

ትንታነ ዜና ብሰኩንደር ከራማኒ ኮርስፕንደንት ኣብ ፓኪስታን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ሓያል መጥቃዕቲ ቦምባ ዘካየደ ጉጅለ ኣይ ኤስ፡ ነቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ውሑዳን ሺዓ ብተደጋጋሚ ዒላማ ይገብሮም ኣሎ።

እቲ ጉጀለ ንቐብርን ጸሎትን ኣብ ዝተኣከቡ ሰባት፡ ኣብ መሳጊድ፡ ኣብ ክለባት ስፖርትን ኣብያተ-ትምህርትን መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት እውን፡ ኣይ ኤስ ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።

ብሰንበት ኣብ ካቡል ሓያሎ ላዕለዎት መራሕቲ ጣሊባን ኣብ ዝገብሩዎ ናይ ቀብሪ ጸሎት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣይኤስ ዓሪዱሉ ዝነበረ ምብራቓዊ ኣውራጃታት ናንጋርሃርን ኩናርን ከኣ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ እቲ ዓርቢ ዓርቢ ዝፍኖ መጥቃዕቲ ብኣይ.ኤስ. ዝፍጸም እንተ ኰይኑ፡ እቲ ንጥፈታቶም ናብ ሰሜን እታ ሃገር ከም ዝሰፍሕ እዩ ዘመልከት።

ጣሊባን ንብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣይ ኤስ ከም ዝሓዙን ምስቲ ጉጅለ ርክብ ከም ዘለዎም ንዝጠርጠሮም ካልኦት ሰባት ከም ዝቐተሉን ይገልጽ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓዲሩ ዘሎ ስግኣት ከህድኡዎ ኣይከኣሉን።

ብዙሓት ኣፍጋናውያን ፡ እቲ ጣሊባን ዝወስዶ ስጕምቲ፡ ምልካዊ እውን እንተኾነ፡ ሰላምን ጸጥታን ንኪሰፍን ተስፋ ገይሮም ነይሮም። ኰይኑ ግና ፡ ኣይ-ኤስ ነቲ ጣሊባን ዝሓሸ ድሕንነትን ጸጥታን ከምዘስፍን ዝኣተዎ መብጽዓ ዓብዪ ስግኣት ምዃኑ እዩ ዘመልክት ።

ጣሊባን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ምስቶም ን20 ዓመት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበሩ ኣመሪካውያን ድሕሪ ምዝርራቡን ሓይልታት ወጻኢ ካብ ካቡል ምስ ወጽኡን እዩ ንኣፍጋኒስታን ተቘጻጸሩዋ ።