እንግሊዛዊት ጋንታ ኒውካስትል ንስዑዳዊ ኩባንያ ብ305 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ

Published

ጥምረት ዝተፈላለዩ ትካላት ዝኾነ ስዑዳዊ ኩባንያ ንእንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኒውካስትል ብ305 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዝዓደጋ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ስዑዲ ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ከም ዘየእትው ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ እታ ጋንታ ነቲ ኩባንያ ክትሽየጥ ወሲኑ።

‘ፐብሊክ ኢንቨስትመንት ፈንድ’ ብዝብል ዝፍለጥ ኩባንያ ልዕሊ 80 ሚአታዊት ድጋፍ ገንዘብ ዝገበረ ኮይኑ ምስ መንግስቲ ከይተራኸበ ባዕሉ ከም ዘንቀሳቕሶ ተገሊጹ’ሎ።

እንተኾነ እቲ ኩባንያ ብልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ከም ዝምራሕ ይፍለጥ።

ወናኒ ኒውካስል ዝነበረ ማይክ ኣሽሊ ንዝሓለፉ 14 ዓመታት ምስታ ጋንታ ዝጸንሐ ኮይኑ ዜና መሸጣ ምስ ተሰምዐ ደገፍቲ ናብ ስታድየም ሴንት ጄምስ ፓርክ ብምኻድ ሓጎሶም ክገልጹ ተራእዮም።

እቲ ‘ፐብሊክ ኢንቨስትመንት ፈንድ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጥምረት ኩባንያታት 250 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት ሃብቲ ኣለዎ።

በዚ ምኽንያት ኒውካስል ሓንቲ ካብ ሞንጎ እተን ኣብ ዓለም ክባራት ጋንታታት ክትኸውን በቒዓ’ላ።

ኒውካስል ንመወዳእታ እዋን ብ1995 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዋንጫ ዘልዓለት ኮይና ብድሕሪ መሸጥኣ ግን ዋንጫ ንኽተልዕል ከም ዝሰርሑ ተገሊጹ።

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጉዳይ እታ ጋንታ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ከይህልዎ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ “ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም’ዩ” ዝብሉ ነቐፌታት ብተደጋጋሚ ስለ ዝቐርቡ’ዩ ምስታ ጋንታ ዝኾነ ርክብ ከይህልዎ ዝተደለየ።

ደገፍቲ ናብ ስታድየም ብምምጻእ “ንሕና ጋንታና ክትዕወት ዘይኮነስ ዋላ ክትፍትን ኢና ንደልያ” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ኒውካስል ኣብቲ ካብ ዝጅመር ሰሙናት ዘቑጸረ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ዋላ ሓደ ጸዋታ ክትዕወት ብዘይምኽኣላ ኣብ መበል 19 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።