ካብ ከብዲ ሓደ ሰብኣይ ሓደ ኪሎ ግራም ሓጻውን ተወጊዱ

ምንጪ ስእሊ, TASS via Getty Images
Published
ሓደ ሊቱወንያዊ ኣብ ከብዱ ልዕሊ ሓደ ኪሎ ግራም ዝምዘን መሳምር፣ ካራታትን ባዕዳዊ ነገራትን ከምዝተረኸቦን ሓካይም ከምዘወገድሉን ማዕኸናት ዜና እቲ ከባቢ ጸብጺበን።
እቲ ወዲ: መስተ ኣልኮል ምስገደፈ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ሓጻውን ይውሕጥ ከምዝነበረ እቶም ሓካይም ገሊጾም።
ንሱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሆስፒታል ክላፐድያ ሕክምና ዝተገበረሉ ኮይኑ ገለ ብመጥባሕቲ ካብ ዝተረኸቡ ሓጻዊን ክሳብ 10 ሴንቲ ሜትር ንውሓት ከምዝነበሮም መንግስታዊ ሚድያ ሊቱወንያ ኣቃሊሓ።
በዓል ሞያ መጥባሕቲ ሳሩናስ ደይሊደናስ ነቲ ናይቲ ሰብኣይ ጉዳይ “ዝተፈለየ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ሓካይም ነቲ መጥባሕቲ ንኽዛዝሙ ሰለስተ ሰዓታት ከምዝወሰደሎም ተፈሊጡ።
እቲ ባዕዳዊ ነገራት ካብ ከብዱ ዝተወገደሉ ሰብኣይ ናይ ከብዲ ከቢድ ቃንዛ ምስተሰምዖ ብኣምቡላንስ ናብ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ሆስፒታል ባልቲክ ከምዝተወሰደ ተሓቢሩ።
እቲ ሰብኣይ ኣብዚ እዋን ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘሎን ብሓካይም ዩኒቨርስቲ ሆስፒታል ክላፐይዳ ክትትል ይግበረሉ ምህላውን ተገሊጹ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
