ትግራይ፡ ዓመታዊ ጉዕዞ ማህሌተ-ጉማየ ኣብ ፍራንክፈርት ተኸቢሩ ውዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Hagos Abraha
ማህሌተ-ጉማየ: ጠገለ ስነ-ፅሑፍን ጉማየን ኣብ ዝደምቀሉ ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ኣብ ማእኸል ራያን ወጀራትን ኣብ ዝርከብ 'ዓውዶውር' ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝኽበር፡ ሃገረሰባዊ ጥበባት ትግራይ ዝውሕዘሉ፡ መስትያት ላዛን ባህልን ትግራይ እዩ።
ማህሌተ-ጉማየ፡ ማሕበረሰብ ሓዘኑ፣ ሓጎሱ፣ ሕርቃኑ ኮታስ ነቲ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዝገልፀሉ፣ ስምዒቱ ብተመስጦ ዘስቆንቁነሉ መገዲ ፍልስፍና ህይወት እዩ።
ማህሌተ-ጉማዬ ኣብ ዓውዶውር እንትኽበር፡ ኩሉ ሰብ ዓለባ ዓዲ ቦፌ'ዩ ዝኽደን፣ መናእሰይ ብኣከዳድንኦም፣ ደቂኣንስትዮ'ውን ብውቁባት ባህላዊ ኣልባሳትን ቁኖ ትግራይን ማዕሪገን፡ ነቲ ክብረ-በዓል ድምቀት ይፈጥራሉ።
ኣብ ማህሌተ-ጉማየ ካብ ወነንቲ እዚ ባህሊ ዝኾኑ ተጋሩ ወፃኢ ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብ'ውን ክሳተፉ ከምዝኽእሉ ይዝረብ።
ናብ ደምበ ማህሌተ-ጉማየ ዝወረደ ሰብ ምውዓሉ ምሕዳሩ ኣብ ዓውዶውር'ዩ።
ዓውዶዉር ኣብ ትግራይ ኣብ ማእኸል ራያን ዋጅራትን ዝርከብ ስም ቦታ'ዩ። ዶውር ማለት ከፍቲ ዝሓድራሉ ወይ ደምበ እንትኾን፡ ኣብ በረኻ ወይ ኣብ ማእኸል ዱር ካብ 200 ክሳብ 300 ከፍቲ ዝሓድራሉ ደምበ እንድሕር ኮይኑ ዶውር ይበሃል።
ማህሌተ-ጉማየ እንትቐውም፡ ኩሉ ኣብ ሓደ ከቢቡ ሓዊ ኣጊዱ፣ መበቆላዊ መሳርሕታት ሙዚቃ ከም ዕንድርፋፃ፣ ጭራዋጣን ፋዱማን እናተወቕዐ፣ ስነ-ፅሑፍ፣ ግጥሚ፣ ልቦወለድ፣ ሓፀርቲ ፅሑፋት እናተነበበ፣ ዝንታዊ ጓስነት እናተዘንተወን ጉማየ እናተብሃለን ጥበብ ክውሕዝ ይሓድር።
ኣብ ማህሌተ-ጉማየ፡ ጉማየ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንምግብነት ዝቐርብ መኣዲ'ውን ኣብኡ ሻቡ ንሻቡ'ዩ ዝዳሎ፤ ዓውሶ ይሕቆን፣ ጠስሚ ይወፅእ፣ ቡርክታ ይቡርከት ይብላዕ፡ ይስተ- ይበሃል።

ምንጪ ስእሊ, Hagos Abraha
ኣጀማምራ ማህሌተ-ጉማየ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ስነ-ልሳን ዝነበረ፣ መስራትን መተሓባበርን ማእኸል ምርምር ቅዱስ ያሬድ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጀርመን ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግ ብዛዕባ ብራናታት ትግራይ 'ፖስት ዶክትራል' ፕሮጀክት ዝሰርሕ ዘሎ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ፡ እቲ ንዘበናት ኣብ ትግራይ ዝዝየም ጉማየ፡ ማሕበረሰባዊ ክብርታቱ ሓልዩ፡ ዓመታዊ ጉዕዞ (ኣድቬንቸር ቱር) ኮይኑ ካብ ውሉድ ወለዶ ክሰግር፡ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ በብዓመቱ ኣብ ዓውዶውር ማህሌተ ጉማየ ክኽበር ተበግሶ ከም ዝወሰደ ይዛረብ።
ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ፡ ኣቐድም ኣቢሉ'ውን፡ ኣብ 2011 ዓ.ም ብላዛ ራያን ዋጅራትን 'ማህሌተ-ጉማየ' ዝብል መድብል ግጥምታት ፅሒፉ'ዩ።
እዚ ካብ ህዝቢ ዝቕዳሕ፡ ነፀብራቕ ባህልን ላዛን ትግራይ ዝኾነ ጉማየ፡ ማህሌት ንክቕወመሉ ምስ ተበገሰ ድማ፡ ማህሌተ- ጉማየ ዓመታዊ ጉዕዞ ኮይኑ ብተኸታታሊ ኣብ ትግራይ ማእኸል ራያን ዋጅራትን ኣብ ዝርከብ 'ዓውዶውር' ኣብ ዝበሃል ቦታ ድማ ምኽባር ከምዝተጀመረ ይገልጽ።
"ኣብ ራያ፣ ዋጅራትን እንደርታን እዩ ጉማየ ዝበሃል። ኣብ ካልኦት ከባብታ ትግራይ'ውን ማሰን ኣውሎን ይፍለጥ። ስለዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ብዝተፈላለየ መልክዑ ጉማየ፣ ጉማየ ዝመስሉ ሃገረሰባዊ ክዉን ጥበባት፣ ስነ-ቃላት ኣብ መላእ ትግራይ ወይ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝብሎም ስለዝኾነ፡ ሰረቱ ማህሌተ-ጉማየ ዝተጀመረሉ ዓውዶውር ይኹን'ምበር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ክኽበር ብምዕላም'ዩ ተጀሚሩ" ይብል ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ።
ማህሌተ-ጉማየ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ኣብ ዓውዶዉር ማእኸል ራያን ወጀራትን ምስ ተኸበረ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ሰለስተ ወይ ኣብ ሽድሽተ ወርሒ ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ንክኽበር ዓሊሙ ዝተበገሰ፡ 'ዓመታዊ ካልቹራል ኢንሸቲቭ' ከምዝኾነ ይገልፅ።
ናብ 270 ገዳማት ትግራይ ብእግሩ ዝተጓዓዘ ዶክተር ሓጎስ፡ እዚ ትግራይ ኣፀቢቑ ክፈልጣ መገዲ ኮይንዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ንሱ ቆልዓ ኮይኑ ዝዓበየሉ ሂወት መጓሰን ጉማየን፡ ካልኦት'ውን ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ብእግሮም ተጓዒዞም ክርእይዎ ኣለዎም ኢሉ ሓሲቡ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ባህልታት ትግራይ ምዕቃብን ወናኒ ከምዘለዎ ምርኣይን ዝብል ድማ፡ ዝያዳ ኩሉ ትኩረት ገይሩ፡ ዓመታዊ 'ጉዕዞ ዓጋም ጠሓስ (ኣድቬንቸር ቱር) ማህሌተ ጉማየ' ከካይድ ዝደረኾ ሓሳብ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Hagos Abraha
"ባህልታትና መብዛሕትኦም ኣብ ሓደጋ እዮም እኔሀዉ፤ እናጠፍኡ ከይኸዱ ክዕቀቡ ስለዘለዎም፤ ካብ ምዕቃብ ንላዕሊ ኸኣ ክነንበረሎም ስለዘለና፤ መንነትና ንሕና ተጋሩ ኢና ክንብል ከለና፡ ባህልና፣ ቋንቋናን ላዛታትናን ኩሎም ተዓቂቦም እንድሕር ፀኒሖምና'ዩ መግለፂና ከግሉሁልና ዝኽእሉ እሞ፡ ብኡ ምኽንያት አዕ ክጅመር እኔሀዎ ኢለ" ዝብል እቲ ምሁር፡ ሓሳቡ ተግባራዊ ንክኾን ሰባት ሓጊዞሞ፡ 25 ነሓሰ 2011 ዓ.ም፡ ዓመታዊ ጉዕዞ ማህሌተ-ጉማየ ኣብ ማእኸል ራያን ወጀራትን ኣብ ዓውዶውር ከምዝፈለሞ ኣውጊዑና።

ምንጪ ስእሊ, Hagos Abraha
ጉማየ- 'ዘየድርዕ ዓርኪ'
ንጉማየ፡ ናይ ውሽጠይ ዝርደአኒ መሓዛ ወይ ድማ መቕርብ የድልየሊ እዩ ኢልካ ዘይትድረዐሉ "ዘየጉብዕ ዘመድ ወይ ዓርኪ" ኢሉ ዝገልፆ ዶክተር ሓጎስ፡ ምስ ውሽጥኻ ብጣዕሚ ትምሰጠሉ (meditative effect) ዘለዎ እዩ ይብል።
ፆታን ዕድመን ከይፈለየ፡ ሓደ ማሕበረሰብ ካብ ካልእ ዓይነት ቅዲ ሙዚቃ ብዝተፈለየ፡ ኣመለኻኽትኡ፣ ናብርኡ፣ ስምዒቱ ዝገልፀሉ፣ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ብዛዕባ ዘመን ዘንፀባርቐሉ ነዊሕ ስልጠት ዘለዎ ደምበ ኪነ-ጥበብ ምዃኑ ይገልጽ።
ጉማየ፡ ፍቕሪ፣ ምውያን፣ ዘበን ኮታስ ኩለመዳያዊ መስተጋብር ማሕበረሰብ ከከም ግዘኡ ዝግለፀሉ'ዩ።
ማህሌተ-ጉማየ ዝቕወመሉ እዋን ክረምቲ ካብ ካልኦት እዋናት ብዝተፈለየ፡ ሰማይን ምድርን ፍቕሪ'ዩ ዝሰብኽ።
ብፍላይ መናእሰይ ራያ፣ ወጀራትን እንደርታን ስምዒቶም ዘንፍስሉ'ዩ፡ ጉማየ!.... ብብዝሒ ወዲተባዕታይ ንጓልኣንስተይቲ ጉማየ ዝብለላ እንትኾን፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ድማ 'ውሉለይ' ትብል።
ዶክተር ሓጎስ: "ኩሉ ትግርኛ ፍቕሪ ገላፂ'ዩ፤ ጉማየ ኸዓ ፍልይ ዝበለ መግለፂ ፍቕሪ ትግራዋይ'ዩ"ይብል፡ ኣብቲ ከባቢ ንሱ ተወሊዱ ዝዓበየሉ፡ ጉማየ ዘይብል ሰብ ከምዘየለ ብምሕባር።
ብናይ ሓንቲ ፅብቕቲ ፍቕሪ ዝተትሓዘ መንእሰይ፡ እታ ንልቡ ዘሸፈተት ጎርዞ ዘመዱ ኮይና ትርከብ እሞ፡ ንማሕበረሰባውን ሃይማኖታውን ሕግታት ከይተሰከፈ፡ ፍቕሩ ልዕሊ ኩሉ ከምዝኾነ ኣሚኑ፡ ከምዚ ዝስዕብ ጉማየ ይብለላ።
" ጉማየ! ጉማየ! ጉማየ!
ኣነስ ክፀዊ ደኣም ተነፊሐ ከይሞትየ
ቀተለኒ ፍቕርይ ሕውነትየ
ስንኺ'ለ ዓፍራይ ወረቐትየ
ኣነስ ክፀዊ ደኣ ፍቕሪ ሕውነትየ….. "
ብምባል፡ ዋላ ናይ ስጋ ዘመዱ ትኹን'ምበር ፍቕራ ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝኾኖ በዚ ጉማየ ሓፍቱን ፍቕሩን ምዃና ብጉማየ ይገልፀላ።
ካልእ ትምህርቲ ንዝቖፀረት ጎርዞ ዘፍቀረ መንእሰይ ድማ ናፍቆት ምስ ሓየሎ፡
"ጉማየ! ጉማየ! ጉማየ!
ኣቲ ቆልዓ ብወረቐት ስደድለይ መልሱ
ከለ ሰሓቕ ከለ ክምስምሱ
ከለ ቁጭይ፡ ከለ ቅንጥስጥሱ……."
እናበለ፡ እቲ ዝፈትወላ መግለፅታታ፡ እቲ ሰሓቕን ቅንጥስጥስን፡ ብብርዒ ከቲባ ብደብዳበ ክትሰደሉ ይምሕፀና።

ምንጪ ስእሊ, Hagos Abraha
እቲ ጉማየ ዝበሃለሉ እዋን፡ ግዘ ምውያንን ምግዳልን እንተኾይኑ ዝስዕብ ጉማየ ይበሃል።
" ጉማየ! ጉማየ! ጉማየ!
መገዲ መቐለ ዓዲጉምየ
ክላሽንካ ሓጫር እያ ሰጉደምየ
ሓደርካ ተኩሳ ከይትቕደምየ"
"ዝናብ መፀ ደበና ደበነ
ከይወስዱኺ መሲሎም ወያነ…." ብምባል: ጉማየ እናበሉ ነቲ እዋን ይገልፅዎ።
"ጉማየን ወያነን ኣይነፃፀሉን፤ ቀዳማይ ወያነ ዝመስረቱ ህዝቢ ብጉማየ ዝባፅሑ እዮም'ሞ፡ ምውያን፣ ኒሕን ሓቦን ምስ ጉማየ ብዙሕ ዝተኣሳሰረ ነገር ኣለዎ" ይብል፡ ምሁር ስነ-ልሳን ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ።
ጉማየ ካብ ሰባትን ፍልስፍና ህይወትን ሓሊፉ፡ ንእንስሳት፣ ግኡዝ ነገራት ንሰማይን መሬትን'ውን ይበሃል እዩ ይብል ዶክተር ሓጎስ።
ንኣብነት፡ ሓደ ኣፍቃሪ'ዩ፡ ኣብ ዓዘቦ ትነብር ንዝነበረት ኣበሩ ገብረመስቀል ትበሃል ብጣዕሚ የፍቅራ እሞ፡ ከሞግሳ፣ ኩሉ ንብረቱ ክህባ ደለየ። ኩሉ ነገር 'ይግበአኪ እዩ' ንምባል ድማ ብዝስዕብ ጉማየ በለላ።
" ጉማየ! ጉማየ! ጉማየ!
ዳርጋጋላ ዓድኺ እግሪ ጎሾየ
ጭራ'ዶ ክመፅእ ዕያም ደርሆ እየ
ለይቲ ዶ ክመፅእ ወጋግሖየ
ምድሪ ፈረቓኺ ሰማይ ሲሶየ…….."
ብምባል፡ መሬትን ሰማይን ናህቱ እንተዝኸውን፡ እታ ሓንቲ ንሱ ዘፍቀራ ክንዲ ሙሉእ ህዝቢ ዓለም ርእይዋ፣ እታ መሬት ንኽልተ ብምኽፋል ድማ ፍርቂ ንህዝቢ ዓለም፡ እቲ ፍርቂ መሬትን ሲሶ ሰማይን ድማ ንተፈቃሪት ኣበሩ ገብረመስቀል ከምዝግበኣ ይገልፀላ።
ጉማየ ወዲ ተባዕታይ ንጓልኣንስተይቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እታ ጓልኣንስተይቲ'ውን ንወዲ 'ውሉሉይ' ትደርፈሉ፡ ጉማየ እውን ከምትብል እቲ ተመራማሪ ይገልፅ።
ባሕሪ ዝሰገረ፡ ማህሌተ-ጉማየ
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ዓ.ም ክኽበር ዝነበረ ሳልሳይ ዙር ዓመታዊ ጉዕዞ ዓጋም ጥሓስ ማህሌተ-ጉማየ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ኣይተኸበረን።
ትማሊ ቀዳም ድማ፡ ካብ ትግራይ ባሕሪ ተሳጊሩ ኣብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ንፈለማ እዋን ማህሌተ-ጉማየ ተኸቢሩ ውዒሉ። ከምቲ ማህሌተ-ጉማየ ኣብ ዓውዶውር ኣብ ራያን ወጀራትን ዝተብሃለ፡ 'ዓውዶውር ኣብ ፍራንክፈርት! ማህሌተ-ጉማየ ኣብ ፍራንክፈርት' ብዝብል ተኸቢሩ።
ኣብዚ ንፈለማ እዋን ካብ ትግራይ ባሕሪ ተሳጊሩ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኸበረ ፈላማይ ሳልሳይ ዓመታዊ ጉባኤ ማህሌተ-ጉማየ ድማ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ካብ ዩክሬን፣ ስዊድን፣ ፈረንሳይን ቤልጅየምን ዝተፈላለዩ ክፋላት ጀርመንን ዝመፁ ተወለድቲ ከምዝተሳተፍሉ ኣዋሃድቲ እቲ መደብ ይዛረቡ።
ኣዋሃሃዲ ማህሌተ-ጉማየ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ፡ ዋላ'ኳ እቶም ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ንትግራይን ተጋሩን ከቢድ እንተነበሩ፡ ምኽባር ማህሌተ-ጉማየ ኣብ ፍራንክፈርት ሰለስተ ዓበይተ ዕላማታት ከምዘለዎ'ዩ ንቢቢሲ ዝገልፅ።
"ጉማየይ ወያነይ፡ ጉማየን ስነ ልቦናን ህዝቢ ትግራይን፡ ንዘጋጥሞም ፀገማት ርእስኻ ካብ ምድናን፡ ብምቅላስ'ዩ ዝከላኸሎም። ስለዚ ክንዲ ዝደለየ ፀገም፣ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይውረድ ስራሕና ክንሓድግ ከምዘይንኽእል፣ ሞራልና ክስበር ከምዘይብሉ መልእኽቲ ንምሕላፍ እዩ። ካልኣይ ባዕሉ ኣብቲ ጉማየ ብፍላይ ድማ ጉማየ ራያ፡ ባህሊ ራያ መህረፋይ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ክመናጠሉ ዝደልዩ ብዙሓት'ዮም እሞ፡ እቲ ባህሊ ክንደየናይ ባህሊ ትግራዋይ ምዃኑ፣ ኣብ ሕቶ ውሽጢ'ውን ክኣቱ ከምዘይኽእል ንምርኣይ ዝዓለመ'ዩ" ይብል።
ሳልሳይ ብዙሕ ትግራዋይ በዚ ሕዚ ዘሎ መከራንን ሰቖቓን ኣብ ጭንቀት ኣብ ብዙሕ ሓሳብ እዩ ዘሎ እሞ፡ መፅዩ ዝጋነየሉ፣ እሂን ምሂን ዝብለሉ፣ ውሽጡ ከም ውሽጡ እቲ ዝነበረ ዓመታዊ ጉባኤ ክቋረፅ ከምዘይብሉ መልእኽቲ ዘዕሃለፈሉ ከምዝኾነ'ውን ይዛረብ።
ኣብ ማህሌተ-ጉማየ ዝሓድር ሰብ ካልእ 'ኣድቨንቸር' ምርኣይ ኣየድልዮን'ዩ ዝብል ዶክተር ሓጎስ፡ ትግራይ ክንብል ከለና ትግራይ 'ኣብስትራክት' ኣይኮነትን፥ ኣብ ሕድሕድ ከባቢ ዘሎ ትግራዋይነት ክንሕብሕቦ፣ ክንጠዓዕሞን ክንዕቅቦን ኣለና ዝብል ቅዋም ኣለዎ።
ንቐፃሊ፡ ማህሌተ ጉማየ ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ንምልላይ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለማት መፅዮም ኣብ ትግራይ ማህሌተ-ጉማየ ከኽብሩ፣ ካብቶም ዘይድህሰሱ ክብረበዓላት ሓደ ኮይኑ ዓለምለኻዊ ኣካዳሚክ ኮንፈረንስ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም መፅዮም ጉባኤ ዘካይድሉ መድረኽ ንምግባር ከምዝዓለሙ ድማ ይገልፅ።
ጉማየ፡ ካብቶም ህዝቢ ትግራይ ዝኾርዐሎም ወያነ ባህሊ ዝፈጠረ ስነ-ቃልን ኪነ ጥበብን ከምዝኾነ ዝገልፅ ዶክተር ሓጎስ፡ "ኮፍ ኢልና ኣቐሚጥናዮ ደው ኢልና ከይንስእኖ፡ ኩሎም ባህልታት፣ ቋንቋታትን ላዛታትን እንትዓብዩ ትግራይ ስለትዓቢ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዘሎ ባህልን ትውፊትን ህዝቢ ትግራይ ክዕቀብ ኩላትና ክንሰርሕ ኣለና" ብምባል፡ ሓሳቡ ይዛዝም።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
