ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣብርሃ ደስታ ምእሳሩ ስድራቤቱ ኣረጋጊጾም

ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ንልኣላዊነትን ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ግዝኣዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝነበረ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ

ምንጪ ስእሊ, ABRAHA DESTA/FB

Published

ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ንልኣላውነትን ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ግዝኣዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝነበረ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምእሳሩ ኣባል ስድርኡን ውድብ ዓረና ትግራይን ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።

ሓዉ ተወልደ ደስታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብርሃ ደስታ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መፅአ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ተኻርዩ ይነብረሉ ካብ ዝነበረ ሆተል ብኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ፖሊስ: ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ቀትሪ፡ ካብቲ ኣብ ኣራት ኪሎ ተኻርዩ ይነብረሉ ዝነበረ ሆቴል: ክልተ ዓጀብትን ካልእ ሲቪል ዝተኸደነ ናይ ድሕንነት ኣባል ዝመስል ውልቀ ሰብን፡ ንሱ ምስ ሓዉ ናብ ዝነብረሉ ከባቢ እስጢፋኖስ፡ ከባቢ ስታድዮም ሒዘሞ ከምዝመፅኡ ተዛሪቡ።

ብድሕሪኡ እቶም ኣካላት ፀጥታ ነቲ ዝነብርሉ ገዛ ከምዝፈተሹ ዝገለፀ ተወልደ፡ ኣብርሃ ደስታ ብሓደራ ኣቐሚጦምሉ ዝነበሩ፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝሃብዎ ሽጉጥ ምስ ሰነዱ ነቶም ኣካላት ፀጥታ ከም ዝሃብዎምን" ፖሊስ ነቲ ሰነድ ርእዩ ከምዝፈረመሎምን ተዛሪቡ።

እንተኾነ ደሓር፡ ንሱ እቲ ሰነድን ብረትን ኣረኪቡ ክነሱ፡ "ዘይሕጋዊ ሽጉጥ ብምሓዝን፡ ብናይ ፅልኢ ዘረባን" ብዝብል ከሲሰሞ ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።

"መንግስቲ ፈሪሙ ዝሃቦ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሃቦ ሕጋዊ ዝኾነ ሽጉጥ ኔርዎ። ቅድሚ ዝተወሰነ እዋን ናብ ጋና ኣክራ ኣኼባ ኔርዎ እንትኸድ እቲ ሽጉጥ ሒዝዎ ክኸድ ስለዘይፍቀደሉን፡ ክሳብ ሕዚ ድማ ኣብ ሆቴል ስለዝነብርን ኣብኡ ከቐምጦ ስለዘይኽእል፡ ንዓና ሂቡና ነይሩ እቲ ሽጉጥ። እንተኾነ በቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይፅሕፎ ዘሎ ክወስድዎ ስለዝደለዩ፡ ሽጉጥካ ኣረክብ ኢሎም" ኢሉ።

ምክትል ኣቦወንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ኣይተ ጎይቶኦም ፀጋይ ብወገኑ፡ ንማእሰርቲ ኣብርሃ ደስታ ብምርግጋፅ፡ እቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ቀጨኔ መድሃንየኣለም፡ ኣብ ከባቢ ሾላ ኮንደሚንየም ኣብ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ እዩ ተኣሲሩ ዘሎ። ክሱ'ውን ብቃል ነጊረሞ ኣለዉ" ዝብል ኣይተ ጎይቶኦም፡

"ኣብርሃ ብኣጋጣሚ ኣይኮነን ተታሒዙ፤ ኣብርሃ ኮነ ተባሂሉ'ዩ ተታሒዙ፤ ዝፈልጥዎ ሰባትን ሲቪል ዝተኸደኑን ናብ ኣራት ኪሎ ከይዶም ከባቢ ሰዓት 5 ናይ ቀትሪ ሒዘሞ። ብድሕሪኡ ናብ ናይ ሓዉ ገዛ ከይዱ፡ ሽጉጡ ኣምፅዩ ኣረኪብዎም። ብድሕሪኡ'ግን ዘይሕጋዊ ብረት ሒዝካ ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሉ" ኢሉ።

ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ፡ ፍሉጣት ኣወሃድቲ ሙዚቃን ኣባላት ትካላት ግብረሰናይን ዝርከብዎም ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ግዳይ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይኾኑ ምህላዎም ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ፖሊስ እታ ሃገር ግና ምኽንያት እቶም ኣብ ቀይዲ ዝውዕሉ ዘለዉ፡ ምስ ህወሓት ርክብ ዘለዎምን ኣብታ ከተማ ናዕቢ ንምፍጣር ዝንቀሳቐሱን'ዮም ክብል ይገልፅ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን'ውን ኣርጋዊ ደስታ ዝብሃል ካልእ ሓዉ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀም ዘሎ ማእሰርቲ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ዝገልፅ ተወልደ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብርሃ ደስታ እንክእሰር ካልእ ሓዉ ገብረሂወት ደስታ'ውን በቶም ኣካላት ፀጥታ ከምዝተኣሰረ ገሊፁ።

"እቲ ካልእ ሓወይ ኣብቲ እዋን ኣብ ስራሕ እዩ ኔሩ፤ ኣብ ባንኪ እዩ ዝሰርሕ። ካብ ስርሑ ናብ ገዛ ኣምፅየሞ። ኣነ ሽዑ ኣብ ገዛ እየ ኔረ፡ በቲ ዝኾን ዘሎ ኩሉ ሰምቢደ። ካብኡ ፖሊስ እቲ ሽጉጥ ሕጋዊ ምዃኑ ርእዩ ፈሪሙ፡ ንኣብርሃን ነቲ ካልኣይ ሓወይን ሒዘሞ ኬዶም" ብምባል እቲ ዝነበረ ኩነታት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንማእሰርቲ ኣሕዋቱ ስዒቡ፡ "መካረይት እታ ገዛ ናብ ፖሊስ ኣመልኪታ ካብ ገዛ ውፁለይ ትብለና ኣላ" ዝብል ተወልደ፡ ነቲ ይነብርሉ ዝነበረ ገዛ፡ እቲ ምስ ኣብርሃ ተኣሲሩ ዘሎ ሓዉ ከምዝተኻረዮን፣ ንሱ ይናብዮም ከምዝነበረን ብምሕባር በቲ ኩነታት ምሽቓሉ ተዛሪቡ።

ንሱ ስራሕ ስለዘይብሉ፡ ንማእሰርቲ ኣሕዋቱ ስዒቡ ኣብ "ኣነ ስራሕ የብለይን፡ ምንም ክገብር ኣይኽእልን፤ ነቲ ገዛ እቲ ሓወይ'ዩ ተኻርይዎ ኔሩ፡ ንዕኡ ድማ ወሲደሞ" ኢሉ።

ንኵናት ትግራይ ስዒቡ ኣብቲ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብውልቁ ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ኮይኑ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዘገልገለ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ናብ መቐለ እንትኣትዉ፡ ምስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መፂኡ።

ጉዳዩ ክሳብ ሕዚ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዘይቀረበን፡ ቀዳም (ሎሚ) ክቐርብ'ዩ ዝብል ምላሽ ከምዝተውሃቦምን ኣይተ ጎይቶኦም ፀጋይ ገሊፁ።

ኣብርሃ ደስታ ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ንዝፍፀም ማእሰርቲ ብምኹናን፡ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ክቃወም'ዩ ፀኒሑ።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፖሊስ ፌደራልን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ፖለቲካዊ ባይታ ትግራይ ንተሓናሕቲ ውድባት ጥጡሕ ኣብ ዘይነበረሉ ግዘ ንመንግስቲ ኣትሪሩ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ፖለቲከኛ ኣብርሃ ደስታ፡ ቅድሚ መረፃ ኢትዮጵያ 2007 ምክያዱ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2006 ዓ.ም፡ ኣብቲ እዋን ነታ ሃገር ይመርሕ ብዝነበረ ኢህወደግ፡ ምስ ጉንበት ሸውዓተን ደምሒትን ርክብ ኣለካ ብዝብል ብግብረ-ራዕዲ ተኸሲሱ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተኣሲሩ ኔሩ።