ጣሊባን ንኣፍጋናውያን ንምፍርራሕ ኣብ ኣደባበይ ኣስከሬን ኣንጠልጢሎም

ጣሊባን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ጣሊባን ንኣርባዕተ ጨወይቲ ሰባት ቀቲሎም፡ ሄራት ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ኣብ ኣደባበይ ብምስቃል ንህዝቢ ኣፈራሪሖም።

እዚ መሰንበዲ ትርኢት ዝተገብረ፡ ሓደ ኣዝዩ ኣኽራሪ መራሒ ጣሊባን ከም ናይ ኣደባበይ መስቀልትን ኣካላት ምቑራጽን ዝኣመሰሉ መቕጻዕቲ ተግባራዊ ከምዝግበሩ ምስ ኣጠንቀቐ እዩ።

እቶም ሰብኡት ንሓደ በዓል ሃፍቲ ምስ ወዱ ምስ ዓገትዎ ንዕኡ ንምልቃቕ ኣብ ዝተገብረ ውግእ እዮም ተቐቲሎም ተባሂሉ።

ገለ ነበርቲ እታ ከተማ ከምዝበልዎ፡ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ብክሬን እዮም ነቶም ኣስከሬናት ሰቒሎምዎም።

ዋዚር ኣሕመድ ሳዲቕ፡ ዝተባህለ በዓል ድንኳን፡ ንኣሶሼትድ ፕሬስ ከምዝበሎ፡ ኣርባዕተ ኣስከሬናት ጽዒኖም ኣምጺኦም፤ ሓደ ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ከባቢ ዝሰቐልዎ ኾይኖም፡ “ነቶም ዝተረፉ ሰለስተ ድማ፡ ናብ ካልእ ማእከላት እታ ከተማ ወሲዶም ኣንጠልጢሎምዎም” ኢሉ።

ምክትል ሓላፊ ግዝኣት ሄራት፡ ምዋልዊ ሻይር፡ እቲ ፍጻመ ካልኦት ተመሳሰልቲ ገበናት ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ድማ፡ እቶም ሰብኡት፡ ንሓደ በዓል ሃፍቲ ምስ ወዱ ጨውዮምዎ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዝተገብረ ልውውጥ ተኹሲ እዮም ተቐቲሎም፤ እቲ ኣቦ ምስ ወዱ ነጻ ወጺኡ ኣሎ ድማ ኢሉ።

ቢቢሲ ናይቶም ሰባት ኣቀታትላ ብዝምልከት፡ ብባዕሉ ዝረኸቦ ጥሉል ሓበሬታ የለን።

እንተኾነ፡ ኣዝዮም ኣጸያፊ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተራእዮም እዮም።

ንኣብነት ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ “ጨወይቲ ብኸምዚ እዮም ክቕጽዑ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ኣፍ ልቢ ናይቲ ሓደ ኣስከሬን ይረአ።

ነሓሰ 15 ስልጣን ካብ ዝዓትሩ ጀሚሮም፡ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ስልጣን እናሃለዉ ዝኽተልዎ ኣዝዩ ተሪር ስርዓት ልሕልሕ ዝበለ ከምዝተኽሉ ቃል ኣትዮም ነይሮም።

እንተኾነ ዛጊድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እታ ሃገር ቀሊል ዘይበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ናይቲ ጉጅለ ኣዝዩ ኣኽራሪ ዝባሃል መራሒን ሓላፊ ሃይማኖታዊ ፖሊስን፡ ሙላህ ኑረዲን ቱራቢ፡ ሕዚ ሓላፊ ኣብያተ ማእሰርቲ እንትኸውን፡ ምቁራጽ ኣካላት ሓዊሱ ኣዝዮም መስካሕኻሕቲ መቕጻዕቲታት ተግባራዊ ከምዝገብሩ ተዛሪቡ ኣሎ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ከምዚ ምግባር ንድሕነትን ጸጥታን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ምስ ኤፒ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሐትት፡ እዞም መቕጻዕታት ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ 1990ታት ጣሊባን ኣብ ስልጣን እናሃለወ ኣብ ኣደባባይ ዝፈጸሞ ዘይክገብሮ ይኽእል እዩ ኢሉ።

እቲ ጉጅለ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ኣብ ስፖርታዊ ስተድዮም ካቡል ኮነ ኣብ መስጊድን ኣደባባይን ሰባት ብስቅላት ምቕታል ዝተለምደ እዩ ነይሩ።

ተቓውሞታት ከምዝነበረ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ “ብዛዕባ እንኽተሎ ሕጊ ዝኾነ ሰብ ኣይነግረናን” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

በቲ ዝሓለፈ ተግባራቱ ኣብ ዝርዝር ማዕቀባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሩ ዝርክብ እዚ በዓል መዚ “ኩሉ ሰብ ናህና ኣቀጻጽዓ ክቃወም ንርኢ፤ ንሕና ግን ናይ ማንም ሕጊ ኾነ መቕጻዕቲ ኣመልኪትና ተዛሪብና ኣይንፈልጥን” ኢሉ።

እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ 9 ኣባላት ሓዛራ ዝተብሃሉ ንኡስ ቁጽሪ ዘለዎም ዓሌት ከምዝረሸኑ ኣምነስቲ ጸብጺቡ ነይሩ።

ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣግነስ ካማርድ፡ “እዚ ጭካነ ብዝተመልኦ ዝተፈጸመ ተግባር ናይቲ ጉጅለ ሕሉፍ ተግባራት ዘዘኻኽር እዩ” ኢሉ።