እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩዕሶ እግሪ፡ ንብራዚልን ፕሪምየር ሊግን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ?
ብራዚል ዋላ እኳ ብዓዲ እንግሊዝ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀይሕ መዝገብ ካብ ዝሰፈራ ሃገራት እንተኾነት፡ ካብቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጻወቱ ዜጋታታ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንእተካይዶ ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ንኽጻወቱ ን8 ተጻወትቲ ጻውዒት ኣቕሪባትሎም ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፈዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ [ፕሪሜር ሊግ]፡ ነቶም ካብ ደቡብ ኣመሪካ መጺኦም ኣብ ሊጉ ዝጻወቱ ተጻወትቲ፡ ብሃገራቶም ንዝቐረበሎም ጻውዒት ብምንጻግ ከይከዱ ከምዝኸልከሎም ይዝከር።
ኣብዚ እዋን ዝኾነ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ብራዚል ዝገይሽ ሰብ ብግድነት ን14 መዓልታት ክውሸብ ካብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመሰለ ኸኣ ብተመሳሳሊ ን10 መዓልታት ክውሸብ ዘገድድ ሕጊ እዩ ዘሎ።
እንተኾነ ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ብራዚል ነዚ ጸገማት ንምድታሕ ‘እወታዊ ምርድዳር’ ተገይሩ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።
ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ምስ ሃገራውያንን ጋንታታት ቬኑንዙዌላ፡ ኮሎምብያን ኡራጋይን እያ ተመዲባ ዘላ።
ኣብዚ ውድድር ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ተሰሊፎም ንኽጻወቱ ኸኣ ምስ ሊቨርፑል ዝጻወቱ ኣሊሶንን ፋቢንሆን፡ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ዝጻወቱ ኢደርሶንን ጋብሪኤል ጀሱስን፡ ምስ ቸልሲ ዝጻወት ትያጎ ሲልቫ፡ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝጻወት ፍረድ፡ ምስ ሊድስ ዝጻወት ራፊንሃን ምስ ቶተንሃም ዝጻወት ኢመርሰን ሮያልን እያ ጻውዒት ኣቕሪባትሎም ዘላ።
ናይ ቀደም ተጻዋታይ ሚድስብሮን ዝነበረን ሕጂ ኣዋሃሃዲ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ዘሎ ብራዚላዊ ጂንሆ ፓውሊስታ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ነቶም ጻውዒት ተገይርሎም ዘሎ 8 ብራዚላውያን ክሰዶም ልዑል ትጽቢት ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣካላት ካብ ዝምጽእ ሰሙን ተግባራዊ ዝኸውን ናይ ንተጻወትቲ ካብ ናይ መገሻ እግዳታት ነጻ ዝገብር ስምምዕ ይግበር ከምዘሎ’ውን ጂንሆ ፓውሊስታ ገሊጹ።
ጂንሆ ፓውሊስታ ብምስዓብ “ምስ ፊፋ፡ ምስ ሓለፍቲ ፕሪሜርሊግን መንግስቲ ብሪጣንያን ብዙሕ ኣኼባታት ኢና ኣካይድና፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኸኣ ዝሓሸ እወታዊ ፍታሕ ክህሉ እዩ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኢና ነዞም ተጻወትቲ ጻውዒት ኣቕሪብናሎም ዘለና” ኢሉ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጻወቱ ተጻወትቲ ናብተን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀይሕ መዝገብ ዝሰፈራ [ብራዚል ትርከበን] ሃገራት ተጻወቱ ከምዘይሰድድ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ ምስ ኣስቶን ቪላ ዝጻወቱ ኢሚሊኖ ብውንድያን ኢሚሊኖ ማርቲነዝን ከምኡ’ውን ምስ ቶቶንሃም ዝጻወቱ ጆቫኒ ሎ ሴልሲን ክሪስቲን ሮሚሮን ናብ ኣርጀንቲና ብምኻድ ምስ ሃገራዊት ጋንትኦም ምጽዋቶም ይዝከር።
እንተኾነ ኣርጀንቲና ምስ ብራዚል ዝነበራ ጸወታ እቶም ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጽኡ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ሕግታት ኮሮናቫይረስ ኣየማልኡን ኢላ ብራዚል ስለዝኸሰሰት ኣብ መበል ሓሙሽተ ደቒቕ ጸወታ ከምዝቋረጽ ተገይሩ።.
ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ነቲ ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ንምሕላፍ ኣብ እትብሮ ዘላ መጻረዪ ግጥማት ኣብ ሸሞንት ግጥም ሸሞንተ ዓወት ብምምዝጋብ ነታ ትስዕባ ዘላ ኣርጀንቲና ብሽዱሽተ ነጥቢ ጸብለል ኢላ ቀዳመይቲ ኮይና ትመርሕ ኣላ።
ነዚ ምውጣጥ ፈደሬሽን ኩዕሲ እግሪ ዓዲ እንግሊዝን ብራዚልን ኣመልኪቱ ፊፋ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይተ የለን።