ኣብ ቻይና ቤይጂንግ ኣብ ውድድር ሮቦት ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ተዓዊቶም

ኣብ ቻይና ውድድር ሮቦት

ምንጪ ስእሊ, Selamu Yisihak

Published

ኣብ ቻይና ቤይጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሮቦት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቲያንዢን ተመሃሮ ቴክኖሎጅን ኢዱኬሽንን ዝኾኑ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ሜዳልያ ወርቂ፣ ብሩርን ነሓስን ብምርካብ ተዓዊቶም።

ኢትዮጵያውያን ሰላሙ ይስሃቅ፣ ኣባኩማ ጌታቸው፣ ፀጋየ ኣለሙ፣ ዮሃንስ ሃይለመስቀልን ሄኖክ ሰይፉን ተሳተፍቲ እቲ ውድድር ነይሮም።

ካብዞም ተወዳደርቲ፡ ሰላሙ ይስሃቅ ሜዳልያ ወርቂ፣ ኣባኩማ ጌታቸውን ፀጋየ ኣለሙን ድማ፡ ሜዳልያ ብሩር ብምርካብ ኣብ ዝተወዳደርሉ ዓውዲ ተዓዊቶም።

ብተወሳኺ፡ ዮሃንስ ሃይለመስቀልን ሄኖክ ሰይፉን፡ ተሸለምቲ ሜዳልያ ነሓስን ፅዋዕን ኮይኖም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተሸላሚ ወርቂ ሰላሙ ይስሃቅ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ብዓውዲ ትራይ ኮ ሮቦትስ ኤንድ ኣፕሊኬሽን / "Tri-Co" Robots and Robot Application/ ከም ዝተወዳደሩ የረድእ።

እቲ ውድድር ሰለስተ ሰዓታት ክወሃቦ እንከሎ፡ ኣብዚ ተበታቲኖም ዝተቐመጡን ግኡዝ ዝኾኑ ኣካላት ገጣጢምካ፡ 'ህይወት ምዝራእ'ን ዝወሃቦ ልኡኽ ዝፍፅምን ሮቦት ክተዳሉ ትጽቢት ይግበር።

ተመሃራይ ሳልሳይ ዓመት ሰላሙ ይስሃቅ፡ ነዚ ኣብ 1 ሰዓትን 53 ደቓይቕን ብምዝዛም ተዓዋቲ ኮይኑ ሜዳሊያ ወርቂ ተሸሊሙ።

ኣብዚ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተኻየደ ውድድር፡ ካብ 20 ዩኒቨርስቲታት፣ ካብ ትካላት ንግድን ምርምርን ዝተዋፅኡ ክልተ ሽሕ ተወዳደርቲ ክሳተፉ እብከለው ሰላሙ ብዓውዲ ኢንዱስትርያል ሮቦቲክስን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ሰብ ሰራሕ'ዩ ተዓዊቱ።

ብዛዕባ እቲ ውድድር እንታይ ይፍለጥ?

ኣካል እቲ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተጀመረ ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ሮቦት ዝኾነ ውድድር ሮቦትን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን፡ ብኣርባዕተ ምድባት'ዩ ዝካየድ።

ኣብ ቻይና ግዝኣት ቲያንጂን ኣብ ዩኒቨርሲቲ Tianjin University of Technology and Education ይመሃር ዘሎ ሰላሙ፡ ኣብቲ ሎሚ ዓመት ንሻብዓይ ግዘ ዝተኻየደ ውድድር ብዓውዲ ኢንደስትርያል ሮቦቲክ'ዩ ተወዳዲሩ።

ውድድር ሮቦት ኣብ ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Selamu Yisihak

ሰላሙ ዝተሳተፈሉ ውድድር "ዝተፈታትሐን" ፕሮግራም (መተግበሪ) ኮምፒዩተር ዘይተፀዓነሉ ሙሉእ ሮቦት ገጣጢምካ ምድላው'ዩ።

ኣካል እቲ ሮቦት ገጣጢምካ፡ ሶፍትዌር ምፅዓን'ውን ካልእ ኣካል እቲ ውድድር'ዩ።

"ኣጋጣሚ ምስ ቻይናዊ'የ ተወዳዲረ......ኩሉ ነገር ከም ዝሰርሕ ብምርግጋፅ፡ ተዓዋቲ ምዃነይ ኣረጋጊፆምለይ" ብምባል የረድእ።

እቲ ሮቦት፡ "ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝሰርሕ፡ ካብ ካልእ ቦታ ብኸመይ ኣቕሓ የንቀሳቕስ፣ ብዝኣዘዝናዮ መሰረት ብኸመይ ይንቀሳቐስ ዝብል'ዮም ዝርእዩ። ነዚ ኢና ሙሉእ ብሙሉእ ሰሪሕና" ይብል።

ኢንዱስትሪ ሮቦት ንኢትዮጵያ እንታይ ይጠቅም?

ሰላሙ ብዛዕባ ይመሃሮ ዘሎን ዝተዓወተሉን ኢንደስትርያል ሮቦቲክ እንተረድእ፡ ናይ ቻይናን ጀርመንን ፋብሪካታት መካይን ከም ኣብነት የቕምጥ።

እተን ሃገራት መኪና እንክሰርሓ፡ "እቲ ዝበዝሕ ነገር ብሮቦት'ዩ ዝገጣጠም። ሰባት ውፅኢትን ጥዕነአንን ንምርግጋፅ ኣብ መወዳእታ እንተዘይከይዶም፡ ሙሉእ ስራሕ ብሮቦት'ዩ ዝስራሕ" ዝብል ሰላሙ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ ምህርትታት ንምቕራብ ተመሳሳሊ ቴክኖሎጂ ከም ዘድልይ የርእይ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ጥረ ኣቕሓ ኣሎ። እዚ ጥረ ኣቕሓ ኣብኡ 'ፕሮሰስ' ጌርና ናብ ዓለም ንምቕራብ ግና ገና ኢና። ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ የድልየና" ይብል።

ቡን ከም ኣብነት ዝወስድ ሰላማ፡ " ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ኪሎ ቡን 200 ወይ 300 ብር እዩ። ኣብዚ (ቻይና) ፕሮሰስ ጌሮም፡ ንፍርቂ ኪሎ ቡን 800 በናይ ቻይና ቕርሺ እዩ ዝሽየጥ፤ 8 ሽሕ ብር ማለት'ዩ። ኢትዮ ፍሌቨር ኢሎም እዮም ዝሸጥዎ። እዚ ቡን ኣብ ኢትዮጵያ ፕሮሰስ ተጌሩ ብቐጥታ ናብ ቻይና ሰደድ እንተዝግበር፡ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ እዩ ዝመፅእ" ብምባል የረድእ።

ካብዚ ብዝዘለለ ኣብ ከም ፋብሪካታት ሲሚንቶን ሓፂንን፡ ኢንደስትርያል ሮቦቲክን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ኣብ ስራሕ ብምውዓል፡ ብትሑት ወፃእን ጉልበትን፡ ተወዳዳሪ ፍርያት ምቕራብ ይከኣል፡ ኢሉ።

ሰላሙ ይስሃቅ ቅድሚ ንትምህርቲ ናብ ቻይና ምኻዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቴክኒካል ዩኒቨርሲቲ መምህር ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

እቲ ሕዚ ይመሃረሉ ዘሎን ቅድም ሕዚ ይምህረሉ ዝነበረን ትካል፡ ንኢንዳስትርያል ሮቦቲክስ ሓዊሱ ብኣርባዕተ ዘፈራት ትምህርቲ፡ ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ስለ ዘለዎም፡ ናብ ሃገሩ እንትምለስ በዚ ዓውዲ ዜጋታት ከፍርይ ይብህግ።

ኣርባዕቲኦም ዘፈራት ትምህርቲ፡ ኣብቲ ቴክኒካል ዩኒቨርሲቲ ዝጠቓለሉ እንትኾኑ፡ ንሰላሙ ሓዊሱ ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቻይና ትምህርቶም ይከታተሉ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብቲ ማእኸል ከም ዋና ኣሰልጣኒ ኮይኖም ክሰርሑ'ዮም።

ከም ኣገላልፃ ሰላሙ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝህቦም ስሩዓት መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ብተወሳኺ፡ ክእለት መዕበይ ስልጠናታት ብምውሳድ፡ ንዓለምለኸ ውድድር ክእለት ይዳለዉ ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኢንዳስትሪ ይሰፍሕ ከም ዘሎ ዝዛረብ ሰላሙ፡ እዚ እንዳስትሪ ድማ ብኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ምሕጋዙ ዘይተርፍ'ዩ ይብል።