ሳንጣ ሶፍያ ጠፊኡ

ምንጪ ስእሊ, S3studio
Published
ኣብ ጀርመን በርሊን ኣብ ዝነበረ ኤክስፖ ዝተሳተፈት ሮቦት ሶፊያ ሎም መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ እንትትኣቱ፤ ዝተወሰነ ክፍሊ ኣካላታ ዝሓዘ ሻንጣ ከምዝጠፍአ ተፈሊጡ።
እዚ ኣብታ ሮቦት ዝተወሰነ ጉድለት ዝፈጥር'ኳ እንተኾነ፡ ሰብ ሞያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ኣይኮግ ላብስ ንምዕራይን እቲ ዝጠፍአ ኣካላታ ንምትካእን ጻዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ሚኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንደሕንነትን ዕግርግር ንምዉጋድን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ዝገበሩላ ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ ጥራሕ'ዮም ተባሂሉ'ሎ።
ቅድም ኢሉ ተታሒዙ ኣብ ዝነበረ መርሃ ግብሪ፡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክርከቡ'ዮም ተባሂሉ ነይሩ።
ኣካያዲ ስራሕ ኣይኮግ ላብስ ኣቶ ጌትነት ኣሰፋ ብወገኑ፡ እቲ ሻንጣ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጀርመን ፍራንክፈርት ከምዝጠፍአ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ይኹን'ምበር፡ ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ እቲ ዝጎደለ ንምምላእ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
