ጣሊባን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዘረባ ከስምዕ ሓቲቱ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጣሊባን፡ ኣሚር ኻን ሙታቂ ነዚ ድልየቱ ዝገልጽ ደብዳበ ብሰኑይ ልኢኹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጣሊባን፡ ኣሚር ኻን ሙታቂ ነዚ ድልየቱ ዝገልጽ ደብዳበ ብሰኑይ ልኢኹ
Published

ጣሊባን፡ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመራሕቲ ሃገራት ገለጻ ክገብር ሓቲቱ፡፡

ሚኒስተር ጉዳየያት ወጻኢ እቲ ጉጅለ ነዚ ድልየቱ ዝገልጽ ደብዳበ ብሰኑይ ዝለኣኸ ኮይኑ፡ ኮሚቴ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሳነ ክህበሉ እዩ።

ጣሊባን ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ዶሃ ዝቕመጥ ወሃቢ ቃሉ ሱሀይል ሻሂን ኣምባሳደር ኣፍጋኒስታን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገይሩ ሸይሙ ኣሎ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኣፍጋኒስታን ዝቖጻጸረ ጉጅለ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ መንግስቲ ኣምባሳደር ገይሩ ዝሸሞ ውልቀ ሰብ ነታ ሃገር ከምዘይውክል ኣፍሊጡ።

ሓደ ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝገለጾ፡ እቲ ጣሊባን ኣብቲ ሓያል ክትዕ ዝካየድሉ መድረኽ ክሳተፍ ዘቕረቦ ሕቶ ንሃገራት ኣመሪካ፣ ቻይናን ሩስያን ሓዊሱ ትሸዓተ ኣባል ሃገራት ብዘለወኦ ኮሚቴ ይርኣይ ኣሎ።

እንተኾነ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ቅድሚ እቲ ሓፈሻዊ ጉበኤ ቀጻሊ ሰኑይ ምዝዛሙ ናይ ምርኻብ ዕድሎም ዝነኣሰ ብምዃኑ፡ ብመሰረት ሕጊ ሕቡራት ሃገራት ጉላም ኣይዛክዛይ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ክጸንሕ እዩ።

ንሱ ኣብቲ ቀጻሊ ሰኑይ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 27 መስከረም ዝካየድ ናይ መወዳእታ ኣኼባ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘረባ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር። ጣሊባን ግና ልኡኽቶ እቲ ኣምባሳደር ‘‘ድሕሪ ሕዚ ነታ ሃገር ኣይውክልን’’ ኢሉ።

ብተወሳኺ ብዙሓት ሃገራት ንፕረዚደንት ነበር ኣሽራፍ ጋኒ ኣፍልጦ ከምዘይህበኦ እውን እቲ ጉጅለ ገሊጹ።

ኣሽራፍ ጋኒ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካቡል ምግስጋሶም ስዒቡ እዩ 15 ነሓሰ ካብታ ሃገር ወጺኡ።

ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተዓቚቡ ይርከብ።

ጣሊባን ንመንግስቲ እታ ሃገር ገልቢጦም ካብ 1996 ክሳብ 2001 ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዘመሓደሩሉ እዋን ፡ ብጸቕጢ እቲ ኣፍልጦ ዝህብ ኮሚተ፡ እቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃራት ወኪል ኮይኑ ዝጸንሐ ውልቀ ሰብ ኣብ ቦትኡ ክቕጽል ተገይሩ ነይሩ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተጀመረ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፡ መራሕቲ ሃገራት ምስ ጣሊባን ክሰርሑ ኳታር ተማሕጺና።

እታ ሃገር፡ ንጣሊባን ምግላል ንፖለቲካዊ ቅልውላው ኣፍጋኒስታን ካብ ምግዳድ ዝሓለፈ ረብሓ የብሉን በሃሊት እያ።