ኮሮናቫይረስ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መገሻ ኣየር ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳታት ከተልዕሎ'ያ።

Published

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ገያሾ ብሪጣንያ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ተልዕሎ ኣላ።

ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር፡ ምሉእ ክታበት (ክልተ ግዜ) ዝወሰዱ ገያሾ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ክፍቀደሎም'ዩ።

ኣመሪካ ካብ ፈለማ 2020 ጀሚራ ተሪር እገዳ መገሻታት ካብ ዝኣወጃ ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።

እቲ ስጉምቲ ንጠለባት ሃገራት ኣውሮጳ ዝምልስን ዝተፈላለዩ ስድራቤታት ክራኸቡ ዕድል ዝኸፍትን'ዩ ተባሂሉ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት (ዋይት ሃውስ) ኣወሃሃዲ ምክልኻል ኮቪድ-19 ዝኾነ ጀፍ ዚንትስ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ መምርሒታት፡ "ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገራት ኣብ ውልቀሰባት ዝምርኮስ ኣገባብ ስለዝኾነ፡ ሓያል ስርዓት'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

"ቀንዲ ድማ፡ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ገያሾ ምሉእ ክታበት ክወስዱ ክግደዱ'ዮም" ኢሉ።

እቲ ኣብ 2020 ዝተኣወጀ እገዳ ፈለማ ንቻይና ጥራይ ዒላማ ዝገበረ'ኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግን ናብ ካልኦት ሃገራት ሰፊሑ'ዩ።

ኣብዚ እዋን ጸኒዑ ዘሎ እገዳ መገሻ፡ ነቶም ኣብ ብሪጣንያ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ቻይና፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኢራንን ብራዚልን ዝጸንሑ ዝሽፍን'ዩ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ መምርሒ ግን፡ ክልተ ክታበት ዝወሰዱ ገያሾ ክውሸቡ ኣይከድልዮምን እዩ። እቲ መምርሒ ነቶም ክኽተቡ ዘየድልዮም ቆልዑ ዝምልከት ከምዘይኮነ ግን ሰብመዚ ሓቢሮም።

ምሉእ ክታበት ዘይወሰዱ ኣመሪካውያን ዜጋታት ናብታ ሃገር ክምለሱ ዝፍቀደሎም'ኳ እንተኾነ፡ ቅድሚ ምብጋሶምን ድሕሪ ምእታዎምን መርመራ ክገብሩ ኣለዎም።

እቲ ሓድሽ መምርሒ ነቶም ብናይ ምድሪ መጓዓዝያ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ከምዘይሽፍንን፡ ካብን ናብን ኣመሪካ ሜክሲኮ ከምኡ'ውን ካናዳን ኣብ ዝግበር ናይ መካይን ምንቅስቓስ ዝጸንሐ እገዳ ክቕጽል ምዃኑን ተፈሊጡ።

ሓደ ብዓልስልጣን ብሪጣንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ውሳነ ሃንደበት ከምዝኾኖም ተዛሪቡ።

"ንሸቐጥን ንግድን ዘሐይል ጽቡቕ ስጉምቲ'ዩ። ኣብ ክልቲኡ ወገን ናይቲ ውቅያኖስ ዘለዉ ቤተሰብን መሓዙትን ክራኸቡ ዝገብር ብስራት ድማ'ዩ" ክብል ሓጎሱ ገሊጹ።

ሰብመዚ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ'ውን ነቲ ስጉምቲ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ።

እቲ ዜና ንመጓዓዝያ ኣየር ዓቢ ብስራት ከምዝኾነን፡ ብርክታት እተን ኩባንያታት ብቕጽበት ከምዝደየበን ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ኣመሪካ፡ ክሳብ ሎሚ፡ 670,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 42 ሚልዮን ድማ ተለኺፎም።

ሓያሎ ሰባት ነቲ ዝወሃብ ዘሎ ክታበት ብዓይኒ ጥርጣረን ፖለቲካን ብምርኣይ፡ ስለዝተሓሰምዎ ንሰብመዚ ጥዕና ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ይርከብ።