እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሩስያ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብዝኸፈቶ ተኹሲ ብውሑድ 6 ሰባት ቀቲሉ
ኣብ ሩስያ ከተማ ፐርም ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሓደ ዕጡቕ ብዝኸፈቶ ተኹሲ ብውሑድ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብመዚ ገሊጾም፡፡
እቲ ዕጡቕ ሰኑይ ንጉሆ ናብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምእታዉ እዩ ተኹሲ ከፊቱ፡፡ ካልኦት 28 ከምዝቖሰሉን ሰብመዚ ገሊጾም።
መምህራንን ተምሃሮን እቲ ዩኒቨርሲቲ ነብሶም ከድሕኑ ኣብ ውሽጢ ህንጻታት ከምዝተሓብኡን ካልኦት ድማ ብመሳኹቲ ክዘሉን ተራእዮም፡፡
እቲ ተምሃራይ ከምዝኾነ ዝተገለጸ ዕጡቕ፡ ፖሊስ ኣቑሲሉ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ እውን ተገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ዩኒቨርሲቲ ፐርም ካብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ሞስኮ 1300 ኪሜ ርሒቑ እዩ ዝርከብ፡፡
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ምስልታት ተምሃሮ ካብቲ ተኹሲ ንምምላጥ ናይ ትምህርቲ ናውቶም ብመስኮት ከድርብዩን ክዘሉን ይረኣዩ፡፡
ሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር እውን ተመሳሰልቲ ቪድዮታት ኣቃሊሓ፡፡
ገለ ጸብጻባት ድማ እቲ ዕጡቕ ነቲ ተግባር በይኑ ከምዝፈጸሞን ዝኾነ ፖለቲካዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ምኽንያት ከምዘይብሉን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፉ ነይሩ ኢሎም፡፡
ሓደ ኢቫን ፐቺሽቸቭ ዝተባህለ ፕሮፌሰር፡ ናብ ክፍሊ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ተምሃሮ ካብ ካልኣይ ደርቢ ክዘሉ ከምዝረኣየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ብዘደንግጽ ኩነታት እናእወዩ ዘሊሎም ወጺኦም’’ ኢሉ፡፡
ዩኒቨርሲቲ ፐርም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣብቶም ህንጻታት ዝነበሩ ተምሃሮ ኣብ መምሃሪ ክፍሎም ክጸንሑ ጸዊዑ፡፡