ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ኣምሊጦም ዝነበሩ ፍልስጤማውያን እሱራት ኩሎም ተታሒዞም

Published

ካብቶም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ጉድጓድ ፍሒሮም ኣምሊጦም ዝነበሩ ሽዱሽተ እሱራት፡ ኩሎም ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓሉ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ፡፡

ከይተትሓዙ ተሪፎም ዝነበሩ እቶም ክልተ ኣባላት እስላማዊ ጅሃድ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ኣብ ዌስት ባንክ ኣብ እትርከብ ከተማ ጀኒን ብሓይልታት ጸጥታ ተኸቢቦም ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝተኣሰሩ እዩ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ገሊጹ ዘሎ፡፡

እቶም ካልኦት ኣርባዕተ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዮም ተታሒዞም።

እቲ ንፍልስጤማውያን ዘሐጎሰ ፍጻመ ምህዳም እቶም እሱራት፡ እስራኤል ተጻርዮ እያ ዘላ፡፡

ሰንበት ንጉሆ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤልን ፍልስጤማውያን ተቓወምትን ጎንጺ ከምዝነበረ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ እቶም ክልተ ተሃደንቲ ግን ብዘይዝኾነ ተቓውሞ ከምዝተትሓዙ ፖሊስ እስራኤል ገሊጹ፡፡

ካብቶም እሱራት ናይቲ ሓደ ኣቦ፡ ወዱ ‘‘ነቶም ዋና ገዛ ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ብምባል’’ ኢዱ ንምሃብ ከምዝተሰማመዐ ንኣሶሼትድ ፕረስ ተዛሪቡ፡፡

ነቶም ዘምለጡ እሱራት ንምሓዝ ዝተኻየደ ስርሒት ‘‘ዘሐጉስ፣ ዝተሓላለኸን ቅልጡፍን’’ ነይሩ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናፍታሊ በነት፡ እቲ ዝተፈጠረ ጸገም ክእረም ዝኽእል ምዃኑ ገሊጹ፡፡

እቲ ክስተት ኣብ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ዘሎ ጸገም ዘመላኸተ ኮይኑ፡ ሚድያታት እስራኤል ብዙሓት ድኽመታት ጸጥታ ጠቊመን እየን፡፡

እቶም እሱራት ምድርቤት ናይቲ ኣብ ጊልቦዋ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ዝተኣሰሩሉ ክፍሊ ንኣዋርሕ ብምፍሓር ብ 6 መስከረም 2021 ውሽጢ ንውሽጢ ናብ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጹ እዩ ዝግለጽ፡፡

ጠበቓ ናይ ሓደ ካብቶም ዝሃደሙ ከምዝገለጸቶ፡ ዓሚላ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ፍሒሩ ንምምላጥ ማንካታት፣ ሸሓነን ናይ በራድ መንጠልጠልን እዩ ተጠቒሙ፡፡ ድሕሪ እዚ ክስተት ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ኣብ ዘካይድዎም ሰልፍታት ማንካታት ሒዞም ክረኣዩ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ፡፡

እቶም እሱራት ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ብምትላምን ተፈሪዱዎም ዝነበሩ እዮም፡፡