ኤርትራ፡ ኣቐዲሞም ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ኣስታት 15 ክርስትያናት ብኣባላት ጸጥታ ተወሲዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኤርትራ ኣስታት 15 ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተወስዱ ምንጭታት ሓቢሮም።
እቶም ኣመንቲ ኣቐዲሞም ዝተፈትሑ ኮይኖም "ሃንደበት" ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባይቶም ከምዝተወስዱ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
ኤምባሲ ኣመሪካ ብሓሙስ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ "15 'ዘይሕጋውያን' ክርስትያናት ኣብዚ ሰሙን'ዚ ተሲሮም" ዝብል ጸብጻብ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ንኣተሓሕዛ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብታ ሃገር ነቒፉ።
እቲ ጽሑፍ ነቲ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ "ሃይማኖታዊ ስኒት" ከምኡ'ውን "ንዘመናት ዝጸቐጸለን ኣብ ሕጊ-እንዳባ ዝሰፈረ ሃብታም ናይ ተጻዋርነት ባህሊ" ዝገልጽ ኣብ ትዊተር ዝሃቦ ርእይቶ ግረብመልሲ ዝሃበ'ዩ።
ኣቶ የማነ፡ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳያት ሃይማኖት "ምዕሩይነት፡ ሓቛፊን ኣደንፋዕን" ምዃኑ ኣብቲ ብመንገዲ ትዊተር ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ንሓያሎ ወንጌላውያን ኣብያ-ክርስትያን ብምእጋድ፡ ብዙሓት መራሕተንን ኣመንተንን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ይፍለጥ።
እቶም እሱራት ፈለማ ኣብ ማይስርዋ ኣብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝተወስዱ'ኳ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ንሓያሎ ካብ መራሕቲ እተን ዝተኣገዳ ኣብያተ-ክርስትያናት ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ሰዊርዎም ከምዘሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።
መንግስቲ ኣብ ሃማኖታዊ ጉዳያት ናይተን ዝተፈቕደለን ሃይማኖታዊ ትካላት ኢድ ከምዘእቱ'ውን እቶም ተጣበቕቲ ይገልጹ።
ሰብመዚ ኣብ ምውራድን ምሕያርን 3ይ ፓትሪያርክ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ይኽሰሱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን፡ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ክመሓደራ ንዝጸንሓ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ-ትምህርትን ከምዝዓጸወን ከምዝሃገረን ይዝከር።
እቲ ስጉምቲ፡ ምስቶም ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ኣተሓሕዛ መንግስቲ ክነቕፉ ዝጸንሑ መራሕቲ እታ ቤተክርስትያን ኣብ ምትፍናን ኣእትይዎም ከምዘሎ ይንገር።
ብዝተፈላለዩ ምግሃስ መሰላትን ምሕራም ናጽነታትን ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ክሲ ንምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ዝቐርብ ጸለመ'ዩ ክብል ይከላኸል።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
