ኣፍጋኒስታን፡ መራሕቲ ጣሊባን ኣብ ውሽጢ ቤተ-መንግስቲ ክባኣሱ ምጅማሮም ምንጪታት ሓቢሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጉዳይ ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘንቀሎ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ጣሊባን ዓብዪ ወጥሪ ከምዝተፈጠረ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጣሊባን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣብ ውሽጢ ቤተመንግስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቀንዲ ምስሕሓብ ኣብ ሞንጎ ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ ጉጅለ ሙላህ ዓብዱል ጋኒ ባራዳርን ሓደ ኣባል ካቢኔን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ባራዳር ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ህዝባዊ መድረኻት ምጥፍኡ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ጣሊባን ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጠረ ዘመልክቱ ግን ከኣ ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም’ዮም።
እቶም መራሕቲ’ውን ነዚ ክነጽጉ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኣፍጋኒስታን ዝተቖጻጸሩ ጣሊባን ካብቲ እዋን ጀሚሮም ነታ ሃገር እስላማዊት ስልጣንን መሬትን [‘እስላሚክ ኤሚሬት’] ክብሉ ብወግዒ ሰምዮምዋ።
እቲ ዝቖመ ሓድሽ ካቢኔ ብደቂ ተባዕትዮን ነባራት ኣባላት ጣሊባንን ጥራሕ ተመሊኡ። ገሊኦም ድማ ግርጉራት ፈጸምቲ ናይቲ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣሜሪካ ዝተገበረ መጥቃዕቲ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ባራዳር ምስቲ ኣብ ወተሃደራዊ መርበብ ሃቃኒ ፍሉጥ ኣባል ዝኾነ ሚንስተር ጉዳያት ስደተኛታት ካሊል ኡር-ራህማን ጽንኩራት ቃላት ከምዝተለዋወጡ ሓደ ምንጪ ካብ ጣሊባን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ሰዓብቶም’ውን ነንባዓሎም ናብ ምጽርራፍ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ።
እቲ ክትዕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘጋጠመ ሓደ ኣብ ቀጠር ዝነብር ነባር ኣባል ጣሊባንን ካልእ ኣብቲ ኩነታት ተሳትፎ ዘለዎ ሰብን ኣረጋጊጾም።
ሓድሽ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ባራዳር ኣብ ኣወዳድባ ሓድሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ሕጉስ ብዘይምዃኑ እቲ ክርክር ከምዝተጀመረ ምንጪታት ወሲኾም ሓቢሮም።
ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተረኸበ ዓወት ብቐንዱ መን ይውንኖ ዝብል ፍልልይ እውን ቀንዲ መጓሃሃሪ እቲ ክትዕ ከምዝኾነ ይዝረብ።
ባራዳር፡ እቲ ዓወት ንሱን ከምኡ ዝበሉን ብዘካየድዎ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ክመጽእ ከምዝኸኣለ ክገልጽ ከሎ፤ ኣባላት ጉጅለ ሃቃኒን ደገፍቶምን ግን ብዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዘረጋገጽዎ ይዛረቡ።
ሙላህ ዓብዱል ጋኒ ባራዳር ኣብ 2020 ምስ ዶናልድ ትራምፕ ብስልኪ ዝተዘራረበ ኮይኑ በዚ ድማ ምስ ኣሜሪካ ቀጥታዊ ርክብ ዝገበረ ፈላሚ መራሒ ጣሊባን ክኸውን ኪኢሉ። ቅድሚኡ ድማ ኣብ ምውጻእ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ኣብ ቀጠር-ዶሃ ስምምዕ ክካየድ ከሎ ንጣሊባን ብምውካል ፊርምኡ ኣንቢሩ።
ጉጅለ ሃቃኒ ድማ ኣብቶም ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣንጻር ሓይልታት ኣፍጋንን ምዕራባውያን መሻርኽቶምን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ኢዱ ከምዝሓወሰ ይግለጽ። ብኣሜሪካ’ውን ኣሸባሪ ጉጅለ ከምዝተባሃለ ይፍለጥ።
መራሒ እቲ ጉጅለ ዝኾነ ሲራጁዲን ሃቃኒ ኣብ ውሽጢ ሓድሽ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ሚንስተር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ብምዃን ይሰርሕ ኣሎ።
ምንጪታት ቢቢሲ ካብ ጣሊባን ከምዝሓበርዎ ነቲ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ስዒቡ ባራዳር ካብ ከተማ ካቡል ብምውጻእ ናብ ከተማ ካንዳሃር ገይሹ’ሎ።
ባራዳር ብሰኑይ ኣብ ዝተዘርግሐን ናቱ ከምዝኾነ ዝተገለጸን ቅዳሕ ድምጺ ‘ኣብ መገሻ’ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።
“ንግዚኡ ኣብ ዝሃለኹ እንተሃለኹ ኩላህና ጽቡቕ ኣለና” ኢሉ።
እንተኾነ ቢቢሲ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ወግዓዊ ዌብሳይታት ጣሊባን ዝተዘርግሐ ድምጺ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ካብ መራሕቲ ጣሊባን ንኩነታት ባራዳር ብዝምልከት ዝወሃቡ ዘለዉ መግለጺታት ግን ጥርጣረ ዝፈጥሩ ኮይኖም ኣለዉ። ወሃቢ ቓል ጣሊባን፡ ባራዳር ንዋና መራሒ ጣሊባን ክረኽቦ ናብ ካንዳሃር ከምዝኸደ ሓቢሩ ነይሩ፤ ጸኒሑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ “ስለዝደኸመ ዕረፍቲ ክረክብ ደልዩ’ሎ” ክብል ገሊጹ።
ኣፍጋኒስታውያን ግን ንኹነታት ጣሊባን ክጥርጥሩ ዘኽእሎም እኹል ምኽንያት ኣለዎም። ኣብ 2015 ምስጢር ናይቲ ንኽልተ ዓመታት ሞቱ ዝሓብእዎ መስራቲ እቲ ጉጅለ ሙላህ ኦማር ወግዓዊ ከምዝገበሩ ይዝከር። ኣብቲ እዋን ብስሙ መግለጺታት የውጽኡ ነይሮም።
ምንጪታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ ባራዳር ናብ ካቡል ብምምላስ ዛጊድ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ቀሪቡ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ምስሕሓብ ክዛረብ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
