ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ኣዋርሕ ክሳብ 750 ሜጋዋት ሓይሊ ከመንጩ እዩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, @seleshi_b_a
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ካብ ዘሉዉዎ 13 ተርባይናት እቶም ክልተ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ኣዋርሕ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ከምዝጅምሩ ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ ገሊጹ፡፡
ንሱ ‘‘ካብ ክልተ ተርባይናት ኢና ሓይሊ ምፍልፋል ክንጅምር፡፡ እዚ ናይ መጀመርታ ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ደረጃ እዩ፡፡ ክልቲኦም ዘመንጭውዎ ሓይሊ ክሳብ 750 ሜጋዋት ዝበጽሕ እዩ’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ 2014 ካብ ክልቲኦም ተርባይናት ዝምንጩ ሓይሊ ኣብ ረብሓ ምውዓል ከምዝጅምር ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ ወሲኹ ገሊጹ፡፡
ነፍሲ ወከፍ መፈልፈሊ ሓይሊ እቲ ግድብ ካብ 375 ክሳብ 400 ሜጋዋት ዝበጽሕ ሓይሊ የመንጭዉ፡፡
ግድብ ህዳሰ 6,450 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ክህልዎ እዩ፡፡
ኢትዮጵያ እትጥቀሞ መጠን ሓይሊ ኤሌክትሪክ 10.7 ቢልዮን ኪሎዋት ከምዝኾነ ሰብሞያ ይዛረቡ፡፡
ካብ ጠለብ እታ ሃገር ዝተርፍ ኣስታት 2 ሽሕ ሜጋዋት ንጎረባብቲ ሃገራት ብምሻጥ ዓመታዊ ኣስታት 580 ሚልዮን ዶላር ምርካብ ከምዝኣል ይግመት፡፡
እቲ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ወረዳ ጉባ ዝህነጽ ዘሎ ዓብዪ ግድብ ሓፈሻዊ ወጻኢኡ 80 ቢልዮን ብር (ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ) ከምዝኾነ ካብ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ተሳትፎ ህዝቢ እቲ ግድብ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ቁመት እቲ ግድብ 145 ሜትሮ፡ ንጎኒ 1.8 ኪሎሜትር ኮይኑ ጭምቖቱ ኣብ እግሪ 130 ሜትሮ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ድማ 11 ሜትሮ እዩ፡፡
እቲ ግድብ ዝሕዞ መጠን ማይ 74 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ኮይኑ 1,680 ትርብዒት ኪሎሜትር ዝሽፍን ከምዝኾነ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ዙርያ ምምላእ ማይ 4.9 ቢልዮን ክዩቢክ ሜትር ማይ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብ ካልኣይ ዙር ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን እዚ ዓመት ሓድሕደን 6.9 ሚልዮን ክዩቢክ ሜትር ክምላእ ምዃኑ ሚኒስር ስለሺ በቀለ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ኣብዚ እዋን ህንጸት እቲ ግድብ 80 ምኢታዊት ከምዝተዛዘመ እዩ ዝግለጽ፡፡









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
