ድሕሪ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ፈላማይ ጉጅለ ወጻእተኛታት ካብ ካቡል ወጺኦም

Published

ብሪጣንያውያን ዝርከቡዎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት ተጉዓዝቲ፡ ድሕሪ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ፈላማይ በረራ ካብ ካቡል: ኣፍጋኒስታን ወጺኦም፡፡

ነቶም ተጉዓዝቲ ዝጸዓነት ነፋሪት መገዲ ኣየር ቐጠር ትማሊ ኣብ ዶሃ ክትዓልብ እንከላና ሎሚ እውን ካልኣይ በረራ ክካየድ ትጽቢት ይግበር፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወጸኢ ኣንቶኒ ብሊንክን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቐጠር ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እታ ሃገር ወጻእተኛታት ካብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ምጉዕዓዝ ክትሕግዝ ሓቲቱ ነይሩ፡፡

ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘካየደቶ ናይ ምግዓዝ ስራሕቲ ብዙሓት ንሰራዊት ኣመሪካ ዝሕግዙ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን ከይወጹ ተሪፎም እዮም፡፡

ኣብቲ ናይ ትማሊ በረራ 113 ሰባት ከምዝገዓዙ ወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ፡፡

ኣመሪካ ኣብታ ነፋሪት ዜጋታታ ከምዝነበሩ ዘረጋገጸት ኮይና ካናዳ 43፡ ኔዘርላንድስ ድማ 13 ዜጋታተን በታ ነፋሪት ከምዝወጹ አፍሊጠን፡፡

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጠቕሊላ ካብ ኣፍጋኒስታን ክሳብ ዝወጸትሉ መዓልቲ፡ ልዕሊ 124 ሽሕ ወጻእተኛታትን ንህይወቶም ዝሰግኡ ኣፍጋናውያንን ካብታ ሃገር ወጺኦም እዮም፡፡

ክሳብ እቲ ናይ ትማሊ በረራ ኣስታት ሓደ ምኢቲ ኣመሪካውያን ኣብ ኣፍጋኒስታን ከምዝተረፉ ይግመት ነይሩ፡፡

ማህረምቲ ጋዜጠኛታት

ነቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝጸብጸቡ ጋዜጠኛታት ዝበጸሖም ማህሰይቲ ዘርእዩ ፎቶታት እውን ተራእዮም እዮም፡፡

እቶም ጋዜጠኛታት ብረቡዕ ኣብ ካቡል ብዕጡቓት ጣሊባን ምስተኣሰሩ ሓያል መግረፍቲ ከምዝተፈጸሞም ተገሊጹ፡፡

ነማቱላህ ናቅዲ ዝተባህለ ሰኣሊ ‘‘ካብቶም ጣሊባን ሓደ ብእግሩ ርእሰይ ረጊጹ ምስ ምድሪ ቤት ኣጣቢቕኒ’’ ክብል ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ፡፡

‘‘ርእሰይ ወቒዖምኒ፡ ዝቐትሉኒ መሰሊኒ ነይሩ፡፡’’

ንሱን መሳርሕቱን ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣፍ ደገ ጣብያ ፖሊስ ዘካይደኦ ዝነበራ ሰልፊ ተቓውሞ እዮም ዝጽብጽቡ ነይሮም፡፡

ጣሊባን ሚኒስትሪ ፍትሒ ዘይፈቐዶ ሰልፊ ከይካየድ ከልኪሎም እዮም፡፡

ኮይኑ ግና ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጥቓ ኤምባሲ ፓኪስታን ተኣኪበን ‘‘ናጽነት ንደሊ ኢና’’ እናበላ ድምጸን ከምዘስመዓን፡ ዕጡቓት ጣሊባን ነተን ሰልፈኛታት ንምብታን ጠያይቲ ከምዝተኮሱን ተገሊጹ፡፡

ኣብ ግዝኣት ካፒሳ እውን ካልእ ሰልፊ ተቓውሞ ብደቂ ኣንስትዮ ከምዝኻየደን ብዙሓት ከምዝተኣሰራን ሚድያታት ውሽጢዓዲ ገሊጸን፡፡