መጥቃዕቲ 9/11፡ 'ቃንዛ ድሕሪ ግዜ ከም ዝሃስስ በሊሕ ካራ'ዩ'

Published

ጁፒተር ያምቤም፡ ኣብቲ ብመንታ ህንጻ ዝፍለጥ 'ወርልድ ትሬድ ሴንተር' ኣብ ዝርከብ 'ዊንደውስ ኦን ዘ-ዎርድል' ዝተባህለ ሬስቶራንት ሰራሕተኛ ነይሩ።

11 መስከረም 2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ምስ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረ ወዱ ሳንቲ ጥዑም ግዜ ንከሕልፍ ባህጊ ነይሩዎ።

ኣብ ቅርቅርቲ እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ነዊሕ ህንጻ ዘሎ ሬስቶራንት ስራሕ ዝበዝሖ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ስድርኡ ብዙሕ ግዜ ንከሕልፍ ይጽገም ነይሩ።

ኣብታ ሽዓ መዓልቲ ሓንቲ ክገብራ ዝደለየ፡ ምስ ወዱ ኩዕሶ ክጻወት፣ ብሽክሌታ ከመይ ከም እትዝወር ክምህሮ፤ በቃ ኣቦታት ንደቆም ዝገብሩዎ ንክገብር ጥራይ'ያ።

ኣብታ ዕለት [ሰሉስ ነይራ] ጁፒተር ካብ ድቃሱ ምስ ተንስአ፡ ነብሱ ተሓጺቡ፣ ክዳኑ ተኸዲኑ ንበዓልቲ ቤቱ ናንሲ ስዒሙ ናብ ስርሑ ከይዱ።

ጁፒተር፡ ብ1981 ዓ.ም ካብ ሰሜን ደቡብ ህንዲ ማኒፑር ናብ ኣመሪካ መጺኡ። ኣብዚ ዓብዪ ሬስቶራንት ድማ ማኔጀር ግብሪ [ድግስ] ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

እቲ 110 ደርቢታት ዘለዎ መንታ ህንጻ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስራሕ ቦታኡ ነይሩ።

ኣብዚ ኣስታት 50 ሽሕ ሰራሕተኛታት ተቖጺሮም'ዮም፤ መዓልታዊ ከኣ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንስራሕ፣ ሸመታን ክምገቡን ይመጽኡ።

ብ11 መስከረም፡ ጁፒተር ኣብቲ ሬስቶራንት ይካየድ ንዝነበረ ኣኼባ ቴክኖሎጂ ከተኣናግድ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ቢኮን ኣብ ዘሎ መንበሪ ገዝኦም ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ናንሲ ኣብቲ ገዛ ጉምብሕ ጥልዕ ምባላ ኣይተረፈን።

ሳንቲ ከኣ ናብ መውዓሊ ህጻናት ምኻድ ካብ ዝጅምር ክልተ ሰሙን ኮይኑዎ ኣሎ።

ናንሲ፡ ነታ እትወስዶ መኪና ክትጽበ ድሕሪ ምጽናሕ ናብቲ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ወልፍታትን ዘሎዎም ሰባት ዝሕገዝሉ ናይ ስራሕ ቦታኣ ትኸይድ።

እዚ ካብ ገዝኣ 64 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ'ዩ ዝርከብ።

ኣብ ስርሓ ምስ በጽሐት ግን ሓንቲ ነፋሪት ንህንጻ 'ወርልድ ትሬድ ሴንተር' ከም ዝሃረመት ትሰምዕ።

"ኩሉ ሰብ ቴሌቪዥን ይርኢ ነይሩ፤ እቶም ህንጻታት ብነፈርቲ ክህረሙ ከለው ኣይርኣኹን" ትብል ናንሲ።

ንጉሆ ሰዓት 8፡46፡ ነፋሪት ኣመሪካ ቑጽሪ በረራ 11 ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ እቲ ህንጻ ኣብ ሞንጎ ደርቢ 93ን 99ን ተቐርቂራ።

ብሰንኪ እዚ እቶም ኣብ ላዕሊ ደርቢታት ዝነበሩ ሰባት ንታሕቲ ክወርዱ ኣይክኣሉን። በታ ነፋሪት ሙሉእ ንሙሉእ ተዓጊቶም።

ሰባት ጥርንቕንቕ ኢሎም ተሸንከሩ፣ ሽዑ መሳኹቲ እቲ ህንጻ ብጸሊም ትኪ ተዓብሊኾም።

ተሓጋጋዚ ማኔጀር እቲ ሬስቶራንት ናብቶም ሓለፍቲ ዘይተረጋግአ ስልኪታት እናደወለ "ብቅልጡፍ ኣጋይሽናን ሰራሕተኛታትናን ብዝተኽኣለ መጠን ክወጽኡ ሓግዙና" ይብል።

ኣብቲ ኮንፈረንስ [ዋዕላ] ዝነበረ ተሳታፊ ናብ ሓደ ብጻዩ ደዊሉ "ዓብዪ ነትጒ ኣጋጢሙ ኣሎ፤ ኩሎም መሳኹቲ ዓንዮም።

ኩሉ ሰብ ኣብ መሬት ተነጺፉ ኣሎ። ኩሉ ሰብ ደሓን'ዩ፤ ክወጽእ'ዩ" ኢሉዎ።

እንተኾነ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ብትዕድልቲ ክወጽእ ኣይክኣለን።

ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8፡30 ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ክርከብ ዝግብኦ ዝነበረ ሰራሒ መግቢ [ሼፍ] ገለ ነገራት ክሽምት ኣብ ትሕቲ እቲ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ድኳን ስለ ዝነበረ ብህይወት ክተርፍ ክኢሉ።

ቑጽሪ ኣብቲ ሬስቶራንት ዝሞቱ ሰባት ንምፍላጥ መዓልታት ክወስድ እንከሎ፡ ኣብታ ዕለት 72 ሰባት ኣብ ሬስቶራንት 'ዊንደውስ ኦን ዘ-ዎርድል' ዝተባህለ ሞይቶም።

"እቶም ህንጻታት ኣዝዩ ብሰንብድን ክትኣምኖ ብዘጸግምን ኩነታት ክህሞኹ ርእየ። ደጋጊመ ናብ ቴሌፎኑ ደዊለ፤ ኣይመለሰን" ትብል ናንሲ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣስክሬን ጁፒተር ብፍርስራስ እቲ ህንጻ ተጸቓቒጡ ቐልጢፎም'ዮም ረኺቦምዎ።

ስድራቤቱ ንመርመራ ዲኤንኤ ዝኸውን ቅምሶ ካብ መመሸጢ ጸጉሩ ንሓካይም ኣቕሪቦም። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ክኣ ክፍለጥ ክኢሉ።

"ዕድለኛታት ኮይንና ነቲ ኣካላቱ ኣኻኺብና ስሩዕ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክፍጸም ክኢሉ። ብዙሓት ነዚ ኣይረኸቡን" ኢላ።

ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት፡ ካብቶም 2754 ግዳኣት ናይቶም 1600 ጥራይ'ዩ ኣስክሬኖም ክርክብ ክኢሉ ዘሎ።

ጁፒተር ኣብቲ እዋን ወዲ 42 ዓመት ነይሩ። ጓል 40 ዓመት ዝነበረት ናንሲ ን20 ዓመታት ትፈልጦ'ያ።

ብ1981 ክራኸቡ እንከለው፡ ንሱ ኢኮኖሚክስ ንሳ ድማ ናይ ሙዚቃ ቴራፒ የጽንዑ ነይሮም።

ብ1991 ከኣ ተመርዒዮም።

እቲ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ህንዲ ዝዓበየ ጁፒተር፡ ወላዲቱ ዶክተር ኣቡኡ ድማ ኢንጂንየር'ዮም ነይሮም።

ካብ ሓሙሽተ ኣሕዋቱ እቲ ብዕድመ ዝንኣሰ ንሱ ነይሩ። ትምህርቱ ምስ ወድአ ኣብ ደልሂ ጀርመን ተማሂሩ።

ዓብዪ ሓው ያምቤም ላባ ምቕሉልን ተመሓዛይን'ዩ ነይሩ ክብል ይዝክሮ። "ንዓይ ብሓቂ ብሉጽ መሓዛይ እዩ" ይብል።

ናንሲ ፈለማ ክትረኽቦ እንከላ "ትኽክለኛ . . . ደቂ ኣንስትዮ ክፈትውኦ ዝክእላ ወዲ ተባዕታይ'ዩ" ነይሩ ክትብል ትገልጾ።

ጁፒተር "ምልኩዕ . . . ኣብ ትምህርቱ ጸብለልታ ዝነበሮን ሙዚቃ ዝፈቱን'ዩ ነይሩ። ሰብ ዝፈቱ ስለ ዝኾነ ክኣ ንሱ ኣብ ዘለወሉ ኩሉ ጥዑም'ዩ" ትብል።

ጁፒተር ኣብቲ መንታ ህንጻ ኣብ መበል 106ን 107 ደርቢታት ኣብ ዝነበረ ሬስቶራንት 'ዊንደውስ ኦን ዘ-ዎርድል' እዩ ዝሰርሕ ነይሩ።

ናብ ገዝኡ ክምለስ እንከሎ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ሬስቶራንት ድራር ዝበልዑ ፍሉጣት ሰባት ቢል ክሊንተን፣ ጋዜጠኛ ባርባራ ዋልተርስ፣ ክሪስቲ ያማጉቺ [ፍልጥቲ ኣመሪካዊት ስኬተር] ብፈንጠዝያ የዕልል።

"ኣብ ህይወቱ ምስቲ ዝፈትዎ ፕሬዝደንት ክሊንተር ፎቶ ብዘይምስኣሉ ወትሩ ይጥዓስ ነይሩ" ትብል ናንሲ።

ቅድሚ 20 ዓመት እታ ብታሕጓስ መዓልታዊ ውዕልኡ ዝጀመረላ ዕለተ ሰሉስ ግን ናይ መወዳእትኡ ኮነት። ኣዝዩ ዘሕዝን ክስተት ኣጋጢሙ።

"ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመት ፈጺመ ክድቅስ ኣይክእልን። ለይቲ ሙሉእ ክበኪ የሕልፎ"።

"ከመይ ኢሉ'ዩ እቲ ክስተት ኣጋጢሙ እናበልኩ ይግረም። ስለምንታይ'ዮም ክንድዚ ዝኣክል ዝጸልኡና? ድሕሪኡ ከንብብ፣ ክመሃር ጀሚረ። ብልበይ ነቶም ሽብርተኛታት ይቅሬታ ገይረሎም" ኢላ።

"ጽልኣት ዓቚረ ክነብር ኣይክእልን ክብል ንነብሰይ ነጊረያ፤ ሓድሽ ህይወት ክጅምር ኣለኒ ኢለ። ዳግም መን ምዃነይ ክፈልጥ ደልየ" ትብል።

ድሕሪ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ናንሲ፡ ጄሪ ፌልድማን ምስ ዝተባህለ ሲቪል ኢንጂንየር ተላልያ።

ብ2006 ከኣ ተመርዒዮም፤ "ኣብ መወዳእታ ፍቕሪ የድሕነካ" ትብል ናንሲ።

ናንሲ፡ ዋላ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ጂፒተር ከይሓሰበት ሓሊፋ ከም ዘይፈልጥ ትዛረብ።

ኣብ ገዝኣ'ውን ንዕኡ ዘዘክራ ንኡሽቶ ቤተ መቕደስ መሳሊ ነገር ኣሎ።

ጂፒተር ካብቲ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ሬስቶራንት ዝረኸቦ ነፍሲ ወከፍ ነገራት ከኣ ንዝኽሪ መጥቃዕቲ 9/11 ናብ ዝተሰርሐ ቤተ መዘክር ኣወፊያቶ።

እዚ ናይ ስራሕ ኣድራሽኡ ዝሕብር ካርድ፣ ኣብ ፍሉይ ምድላው ዝተበርከተሉ ክልተ መስተ ወይኒ ከምኡ'ውን ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ናይ ወይኒ መቐመጢ ይርከቦ።

ስድራቤት ጂፒተር፡ ሓሓሊፉ ኣብ ህንዲ ናብ ዝርከብ ገዝኡ ይኸይድ'ዩ።

ሳንቲ ሕጂ ወዲ 25 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ቢኮን ኣብ ዝርከብ ሬስቶራንት ድማ ይሰርሕ።

"ኣብ ማኒፑር ዘሎ ገዛና ጂፒተር ብፍሉይ ምስ ወላዲኡ ዘለዎ ዝምድና ዘዘኻኽረና ስለ ዝኾነ መበቆልካ ዘይምርሳዕ ኣገዳሲ'ዩ" ትብል ናንሲ።

ጁፒተር ብህይወት እንተዝህሉ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቀምቲ መበል 30 ዓመት ሓዳሮም ክዝክሩ ዕድል ምረኸቡ ነይሮም።

"ማህሰይቲ ዝልመድ ኣይኮነን፤ ምርሳዕ ከኣ ምርጫ ኣይኮነን" እትብል ናንሲ፡ ዓመታዊ ቅጅል ዝብለካ መጥቃዕቲ መስከረም 9/11 ምርሳዕ ከቢድ ምዃኑ ትዛረብ።

"ቓንዛ ኣብ መጀመርታ ልክዕ ከም ካራ በሊሕን ብርቱዕን'ዩ። ድሕሪ ግዜ ካራ ይጎትም፤ ቃንዛ'ውን ከምኡ ይሃስስ"።