ውዳሴ፡ ኣብ 11 ጳጉመ ን16 ሽሕ ሰባት ናጻ መርመራ ዝሃበ ማእከል ሕክምና

ውዳሴ ዳያግኖስቲክስ ማእከል ቅድሚ 12 ዓመት’ዩ ስራሕ ጀሚሩ። ካብ ዝተመስረተሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ድማ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወቕቲ ጳጉሜ [ቋቚመን] ብናጻ ኣገልግሎት ሕክምናዊ መርመራ ክህብ ጸኒሑ’ሎ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ካብ 2,500 ክሳብ 5,000 ብር ዝግመት ሕክምናዊ መርመራታት ንልዕሊ 46 ሽሕ ሰባት ብናጻ ምግባሩ ወናኒን ኣካያዲን ናይቲ ትካል ኣቶ ዳዊት ሃይሉ ይገልጽ።
ካብዚኦም እቶም ከባቢ 16 ሽሕ ሰባት ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ዝረኸቡ’ዮም ነይሮም።
እቶም ተጠቀምቲ መን’ዮም?
“እዚ እንህቦ ናይ ናጻ ኣገልግሎት ነቶም ንሕና እንህቦም ኣገልግሎታት ዘድልዮም፡ ኮይኑ ግና ዓቕሚ ዘይብሎም ዘተኮረ እዩ” ዝብል ዳይረክተር ዳዊት ሃይሉ፡ “እዚ ንገብረሉ ኣገባብ ዓቕሚ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ብምሕታት’ዩ። ዓቕሚ የበለይን እንተኢሉ ንኣምኖ” ይብል።
እቲ ማእከል ነቶም ትእዛዝ ሓካይም ዘለዎምን ዘይብሎምን ኣገልግሎት ከም ዝህብ ይገልጽ።
ኣብዚ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ናይ ጳጉሜ መዓልታት ከኣ፡ ብፍላይ ኣብቶም ናይ ሓኪም ትእዛዝ ዘየድልዮም በቲ 9,888 ዝብል ናይ ስልኪ መስመር ኣገልግሎት ምዝገባ ተኻይዱ ድሕሪ ጳጉሜ እቲ መርመራታት ከምዝግበር እቲ ኣካያዲ የብርህ።
“ንሕና ኣብቲ ምዝገባ፡ ኣድላይነቱን ህጹጽነቱን እናራኣና ኢና ኣገልግሎት ንህብ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ቀጺልና። ኣብዚ ግዜ’ዚ ይመዝገቡ ‘ምበር፡ እቲ ስራሕ ኣብ ጳጉሜ 5 የብቅዕ ማለት ኣይኮነን።”
ካብ ርሑቕ ገጠራት ዝመጹን፡ ነቶም ህጹጽ ወይ ናይ ሓደጋ መርመራታት ዘድልዮም ሰባት ቀዳምነት ከምዝህቡ’ውን እቲ ሓላፊ ናይቲ ማእከል ይጠቅስ።
ውዳሴ ሲቲስካን፡ ኤም-ኣር-ኣይ፡ ኣልትራሳውንድ፡ ኤክስረይን ካልኦት ኣገልግሎታትን ኣብቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 6 ጨንፈራት ናይቲ ማእከል ከምዝህብ ኣቶ ዳዊት ይገልጽ።
እቶም ዝግበሩ መርመራታት ካብቶም ኣዝዮም ክቡራት ዝብሃሉ ምዃኖም ዝገልጽ ኣቶ ዳዊት፡ “ንዓቕሚ ዘይብሉስ ይትረፍ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ’ውን ሰንከልከል ዘብሉ’ዮም” ይብል።
ነቶም ኣብቲ ናይ ናጻ እዋን ክመጹ ዘይክኣሉ ወይ ድማ ኣብ ናይ መንግስቲ ሆስፒታላት ንነዊሕ እዋን ዝጽበዩ’ውን እቲ ትካል ባዕሉ ዝጽዋዓሉ ግዝያት ኣሎ።
‘ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ፈጺሙ ዝኸሰረ ትካል የለን’
እቲ ዳይረክተር ከምዝብሎ፡ እቲ ኣገልግሎት ክህብ ዘገደዶ ኩነታት ብቐንዱ ሰናይ ግብሪ ንምትብባዕ እዩ።
“ሰባት ንሕና ንሰርሖ ርእዮም፡ ኣነኸ እንታይ ክገብር እኽእል ኢሎም ክሓስቡ ብዝብል ግብረ-ሰናይ ንምትሕልላፍ ንገብሮ ግብረሰናይ እዩ። ሰናይ ግብሪ ዝላባዕ ነገር’ዩ።
“ዕላማና ሕብረተሰብ ምግልጋል፡ ዕላማና ኣገልግሎት ጥዕና ንምስፍሕፋሕ ኮይኑ፡ መኽሰብ ሓቢሩ’ዩ ዝመጽእ ኢልና ኢና እንኣምን። ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ፈጺሙ ዝኸሰረ ትካል የለን” ይብል ኣቶ ዳዊት።
እቲ ትካል ኣብ ካልኦት ናይ ግብረ-ሰናይ ንጠፈታት’ውን ይሳተፍ’ዩ።
ንኣብነት፡ ናይቲ ን12 ዓመት ዝሃቦ ናጻ ኣገልግሎት ምኽንያት ብምግባር፡ “12 ተግባራት ግብረሰናይ ንግበር” ብምባል ዝተፈላለዩ ሓገዛት ኣካይዱ።
ገለ ካብዚኦም፡ መንበሪ ኣባይቲ ናይቶም ዓቕሚ ዘይብሎም ምሕዳስ፡ ደም ምልጋስ፡ ናይ ኣስቤዛ ህያብን፡ ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ልዕሊ 1,000 ሰባት ምምጋብን ይርከብዎ።
ነበርቲ ናይቶም ጨናፍር ናይቲ ትካል ዝርከብሉ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ድማ፡ ናብቲ ትካል ኣገልግሎት ደልዮም ኣብ ዝመጽሉ እዋን 20 ሚእታዊት ዋጋ ከምዝጎድልሎም ኣቶ ዳዊት ይሕብር። እዚ ድማ “ከባቢኻ ምኽባር’ዩ” ይብል።
“ናይ ግብረሰናይ መቐረት ዝለዝጠዓምና፡ መዓስ’ዩ ዝመጸልና እናበልና ብናፍቖት ኢና ንጽበዮ። ዝበለጸ ንምስራሕ ንሕንጠየሉ’ዩ።”
እቲ “ማሕበራዊ ሓላፍነት ምፍጻም ግዴታ’ዩ” ዝብል ኣቶ ዳዊት፡ እቲ ተግባር ንትካሎም ረብሓታት ከምዘለዎ’ውን ይጠቅስ።
“ንሕና ከም ትካል ካብ ዝረኸብናዮም ረብሓታት፡ ብመጀመርታ ደረጃ፡ ኣብ ሰራሕተኛታትና ሓያል ምልዕዓል ምፍጣሩ’ዩ. . . ጽቡቕ ስምን ዝናን ክህልዎ ድማ ገይሩ። እዚ ጽቡቕ ስም ናብ ገንዘብ ዝልወጥን ርእሱ ዝኸኣለ መኽሰብን’ዩ።
“ስለዚ ግብረሰናይ ንዓይ መኽሰብ’ዩ፡ ሰናይ ምርካብ’ዩ። ምሃብ ምኽሳር ኣይኮነን። ኣብቲ ኣብ ነፍሲወከፍ ዓመት ዝበጻሕናዮ ልዑል ዕብየት ቀንዲ ኣበርክቶ ዘለዎ ናይ ምሃብ ኣተሓሳስባና እዩ” ይብል ኣቶ ዳዊት።
እቲ ትካል ንኹሉ ፍሉይ (ስፐሻሊቲ) ኣገልግሎታት ክህብ ዘኽእሎ፡ ህንጻ የስርሕ ኣሎ። እዚ ነቲ ሕጂ ዝህቦ ኣገልግሎት ከምዝቕይሮን፡ ንመርመራታት ናብ ሃገራት ወጻኢ ዝግበር ጉዕዞ ንምጉዳል ክሕግዝን ትጽቢት ይግበረሉ።
እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ድማ፡ እቲ ዘካይዶ ግብረሰናይ እናዓበየ ከምዝኸይድ እቲ ዳይረክተር ናይቲ ማእከል ኣሚቱ።
“በዚ ዘለናዮ ደረጃስ ይትረፍ፡ ሓንቲ ሲቲስካን ኣብ ዝነበረትና እዋን ከማን፡ ናይቲ ዝገዛእናዮ ማሽን ዕዳ ከይከፈልና ክንገብሮ ኪኢልና። ሕጂ ድማ ብዝሓሸን ዝሓየለን ኣገባብ ክንገብሮ ኢና።
“ሰናይ ግብሪ ዕድመ ኣይሓትትን’ዩ። ግብረሰናይ ገንዘብ ምሃብ ጥራይ ኣይኮነን፡ ጊዜ ዘለዎ ጊዜ፡ ፍልጠት ዘለዎ ፍልጠት ዝህበሉ’ዩ። ሃገርና በዚ ዘላቶ ኩነታት ከኣ፡ ብዙሓት ግብረሰናይ ዝፍጽሙ ሰባት እትደልየሉ ግዜ እዩ” ይብል ኣቶ ዳዊት።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
