ኣብ የመን 5 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይፅበዩ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, IOM Yemen

መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት
Published

ኣብ የመን ብሰንኪ ዘሎ ዘይምርግጋእን ለበዳ ኮሮናቫይረስን፡ ኣስታት 5 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ትፅቢት ከምዝርከቡ ሪሊፍዌብ ፀብፂቡ።

ኣብዚ ሰሙን ዓለም ለኻዊ ትካል ንስደተኛታት (ኣይኦኤም) ብዘወሃህዶም በረራታት ኣስታት 300 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተዳለዉ ተገሊፁ።

እቲ ትካል ክሳብ መወዳእታ 2021 ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ በረራታት ብምክያድ፡ ብወለንትኦም ንዝምለሱ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምግዓዝ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ የመን ናይቲ ልኡኽ ምክትል ሓላፊ ጆን ማኪው፡ "ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣጋጠመ ኣብ የመን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣዝዮም ይርስዑ ኣለዉ" ኢሉ።

ኣብዚ ዓመት ዛጊድ ኣስታት 600 ስደተኛታት ካብ የመን ኤደን ናብ ኣዲስኣበባ ብወለንትኦም ዝተመለሱ እንትኾኑ፡ ካልኦት 79 ስደተኛታት ድማ ካብ ሰንዓ ተበጊሶም ናብ ኣዲስኣበባ ኣትዮም።

እዚ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምግዓዝ ስራሕ ቀሊል ከምዘይኮነን፡ ዓለም ለኻዊ ትካል ስደተኛታት (ኣይኦኤም) ካብ ማሕበረሰብ ዓለም 3 ሚልየን ዳላር ከምዘድልዮ ተገሊፁ።

እዚ ገንዘብ ካብ በረራታት ብተወሳኺ ኣብ የመንን ኣብ ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ዝምልከቶም ትካላት መንግስቲ'ውን ንምሕጋዝ ዝውዕል'ዩ።

"ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ተወሳኺ ድጋፍ ንክገብሩልና ንፅውዕ። ኣብ የመን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት መኸዲ ስኢኖም ይርከቡ። ዘለዎም ብሕታዊ ኣማራፂ ድማ ካብዚ ኣፀጋሚ ኩነታት ብምህዳም ናብ ሃገሮም ምእታው እዩ" ኢሉ፡ እቲ ምክትል ሓላፊ።

ኣብ የመን ኣስታት 32 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘፀግም ኩነታት ዝርከቡ እንትኾኑ፡ መብዛሕትኦም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ስዑድ ዓረብ ክገብርዎ ዝነበሩ ጉዕዞ ዝተዓናቐፎም እዮም።

ነዚ ዓለማዊ ለበዳ ስዒቡ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ሰባት ኣብ ከቢድ ፈተና ምጥሓሎም ስዒቡ፡ ትርፊ ንምርካብ ነዞም ስደተኛታት ንካልእ ዕላማ የውዕልዎም ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ገለ ስደተኛታት ዕድኦም ንምኽፋል ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታታት ክሽቅሉ ዝግደዱ እንትኾኑ፡ ካልኦቶም ድማ ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ይወርዶም።

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ስደተኛታት ካብ ስድርኦም እንተድኣ ገንዘብ ዘየልኢኾም ከምዝቕተሉ ይንገሮም።

እዞም ኩሎም ብድሆታት ሓሊፎም ብህይወት ዝተረፉ ድማ እኹል ፅሩይ ማይ፣ ምግብን ኣገልግሎት ጥዕናን ክረኽቡ ኣይኽእሉን።

ካብ ስደት ናብ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ጓል 24 ዓመት ትዕግስት "ከቢድ መውቃዕቲ በፂሑኒ፤ ብዘይ ኣግባብ መሰለይ ተጋሂሱ" ትብል።

"ዝበዝሕ ግዘ እናጠመየኒ እየ ዝድቅስ። እዚ ኩሉ ምስ በፅሐኒ ናብ ዓደይ ክምለስ ብምኽኣለይ ሕጉስቲ እየ" ኢላ።

ከም ሓበሬታ ዓለም ለኻዊ ትካል ንስደተኛታት (ኣይኦኤም)፡ ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ጥራሕ 138 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ዝኣተዉ እንትኾኑ፡ ኣብ 2021 ድማ 37 ሽሕን 500 ስደተኛታት ናብ የመን ሰጊሮም'ዮም።