ደቡብ ሱዳን ኤችኣይቪ ንምክልኻል 1.5 ሚልዮን ደቂተባዕትዮ ክትኽንሽብ ምዃና ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሃገሩ ዘሎ ተቓላዕነት ኤችኣይቪ ንምንካይ ብዝብል 1.5 ሚልዮን ደቂተባዕትዮ ዝኽንሸቡሉ ወፍሪ ከምዝተጀመረ ሓቢሩ።
በዚ መሰረት ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 49 ዝርከቡ ደቂተባዕትዮ እታ ሃገር ክኽንሸቡ እዮም።
ኣብ ደሞም እቲ ቫይረስ ምስ ዘለዎም ሰባት ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ዝተኸንሸቡ ደቂተባዕትዮ ካብ ዘይተኸንሸቡ ዝተሓተ ተቓላዕነት ረኽሲ ኤችኣይቪ ከምዘለዎም መጽናዕትታት የመልክቱ።
ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ሂዩማን ኣፒል ኣሶሲየሽን’ ምስ ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ብወለንትኦም ንዝኽንሸቡ ሰባት ኣገልግሎት ክህቡ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝርከባ 10 ክልላዊ ምምሕዳራት ኣብተን ሰለስተ ጥራይ ምኽንሻብ ዝተለመደ ተግባር ኮይኑ፤ ኣብተን ዝተረፋ ግን ከም ነውሪ ይቑጸር።
ምስ ጉዳይ ኤችኣይቪ ብዝተሓሓዝ ክረኣይ ከሎ እቲ ኣዝዩ ትሑት ዝኾነ መጠን ልምዲ ምኽንሻብ ደቂተባዕትዮ ቀንዲ ስግኣት ጥዕና ሕብረተሰብ ከምዝኾነ መንግስቲ እታ ሃገር ይገልጽ።
ሮበርት ማቲው ኡኩ ካብ ሂዩማን ኣፒል ኣሶሲየሽን “ኣብታ ዋና ከተማ ዝኾነት ጁባ ጥራይ ዘሎ ድልየት ምኽንሻብ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመሰናብቲ 25 ዓበይቲ ሰብኡት ዝርከብዎም ኣስታት 100 ተባዕትዮ ተኸንሺቦም” ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
መረዳእታ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ኤይድስ [ዩኤስ ኤይድስ] ከምዘመልክቶ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 49 ዓመት ዘለዉ ካብ ሰባት እቶም 2.3 ሚኢታዊት ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ይርከቦም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

