እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይ መወዳእታ ተወዳደርቲ ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ወግዓዊ ኮይኖም
ናይዚ ዓመት ናይ መወዳእታ ተወዳደርቲ ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ዕላዊ ኮይኖም፤ እቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ዝበፅሑ 42 ተወዳደርቲ፡ ካብ ሕዛእቲ እንስሳት፡ ሰብኣዊ ባህሪ ናይ ዝተላበሱ እንስሳት ኣገላልፃ (anthropomorphic) ብስእሊ ዘርእዩ እዮም።
ኣብዚ ውድድር ዝቐርረቡ ስእልታት ዘስሕቑ ኮይኖም፤ ከም ኣብነት ዝደርፍ ዘሎ ዝመስል ህበይ፣ ብጣዕሚ ዝነደረ ስታርሊንግ (ዓይነት ዑፍ) ዝኣመሰሉ ህሞታት እንስሳት ዘገዳም ዘንፀባርቑ’ዮም።
ንናይዚ ዓመት ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ኣብ መወዳእታ ብርኪ ዝበፅሑ ተወዳደርቲ ዘቕረብዎም ስእልታት ድማ፡ እንስሳት ኣብ ናይ ዳእላ ህሞት እንከለዉ ዘርእዩን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝወሰድዎምን’ዮም።
ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ’፡ በቶም ሞያውያን ሰኣልትን ተጣበቕቲ ስነ-ከባብን ብፖል ጆይንሰን-ሂክስን ቶም ሱላምን’ዩ ተመስሪቱ።
እዚ ውድድር ባህታ ካብ ምፍጣር ብዝዘለለ፡ ብዛዕባ ዕቃበ እንስሳት በረኻ፡ ብእወንታውን ማራኽን መገዲ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ’ዩ።
ተዓወትቲ ናይዚ ውድድር ኣብቲ ዝመፅእ ዘሎ 22 ጥቅምቲ፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ክግለጹ እዮም።
ክሳብ ሽዑ፡ ፍሽኽ ከብልኹም ዝኽእሉን ናብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ውድድር ካብ ዝበፅሑን ገሊኦም እነሆ።
· መንፈስ ሰኑይ ንጉሆ (Monday morning mood)፡ ብኣንድሪው ማየስ ኣብ ራይትቭለ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተስኣለ
· ንሳዕስዕ (Let's dance): ብኤንዲ ፓርኪንሰን ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ሓውሲ ደሴት ካምቻትካ ዝተስኣለ
· ኡስ! ርእሰይ ሓሚመ’የ፡ ይሃስይ’ዩ (Shush! I'm so hungover)፡ ብኣኒታ ሮዝ ኣብ ሳን በርናርዲኖ ካሊፎርኒያ ዝተስኣለ
· ጨና እግሪ (Foot jam)፡ ብብሩክ በርሊንግ፡ ኣብ ዊስኮንሲን ኣሜሪካ ዝተስኣለ
· ግዘ ንትምህርቲ (Time for school)፡ ብቺዊ ክ ቲዮ፡ ኣብ ሲንጋፖር ዝተስኣለ
· መን ዝለዓለ ከምዝዘለለ ረአይ (See who jumps high)፡ ብቹ ሃን ሊን ኣብ ታይዋን ዝተስኣለ
ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።