ናይ መወዳእታ ተወዳደርቲ ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ወግዓዊ ኮይኖም

ዝስሕቕ ዘሎ ዝመስል ሲል

ምንጪ ስእሊ, Martina Novotna

መግለጺ ስእሊ, ኪርኪር በሃሊ ብማርቲና ኖቮትና፡ ብሪጣንያ
Published

ናይዚ ዓመት ናይ መወዳእታ ተወዳደርቲ ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ዕላዊ ኮይኖም፤ እቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ዝበፅሑ 42 ተወዳደርቲ፡ ካብ ሕዛእቲ እንስሳት፡ ሰብኣዊ ባህሪ ናይ ዝተላበሱ እንስሳት ኣገላልፃ (anthropomorphic) ብስእሊ ዘርእዩ እዮም።

ኣብዚ ውድድር ዝቐርረቡ ስእልታት ዘስሕቑ ኮይኖም፤ ከም ኣብነት ዝደርፍ ዘሎ ዝመስል ህበይ፣ ብጣዕሚ ዝነደረ ስታርሊንግ (ዓይነት ዑፍ) ዝኣመሰሉ ህሞታት እንስሳት ዘገዳም ዘንፀባርቑ’ዮም።

ንናይዚ ዓመት ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ኣብ መወዳእታ ብርኪ ዝበፅሑ ተወዳደርቲ ዘቕረብዎም ስእልታት ድማ፡ እንስሳት ኣብ ናይ ዳእላ ህሞት እንከለዉ ዘርእዩን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝወሰድዎምን’ዮም።

ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ’፡ በቶም ሞያውያን ሰኣልትን ተጣበቕቲ ስነ-ከባብን ብፖል ጆይንሰን-ሂክስን ቶም ሱላምን’ዩ ተመስሪቱ።

እዚ ውድድር ባህታ ካብ ምፍጣር ብዝዘለለ፡ ብዛዕባ ዕቃበ እንስሳት በረኻ፡ ብእወንታውን ማራኽን መገዲ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ’ዩ።

ተዓወትቲ ናይዚ ውድድር ኣብቲ ዝመፅእ ዘሎ 22 ጥቅምቲ፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ክግለጹ እዮም።

ክሳብ ሽዑ፡ ፍሽኽ ከብልኹም ዝኽእሉን ናብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ውድድር ካብ ዝበፅሑን ገሊኦም እነሆ።

· መንፈስ ሰኑይ ንጉሆ (Monday morning mood)፡ ብኣንድሪው ማየስ ኣብ ራይትቭለ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተስኣለ

ክልተ ዝሕብሩ ዋሪ

ምንጪ ስእሊ, Andrew Mayes

መግለጺ ስእሊ, ክልተ ዝሕብሩ ዋሪ

· ንሳዕስዕ (Let's dance): ብኤንዲ ፓርኪንሰን ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ሓውሲ ደሴት ካምቻትካ ዝተስኣለ

ክልተ ንኣሽቱ ድቢ እናተጻወቱ

ምንጪ ስእሊ, Andy Parkinson

መግለጺ ስእሊ, ቡናዊ ድብታት

· ኡስ! ርእሰይ ሓሚመ’የ፡ ይሃስይ’ዩ (Shush! I'm so hungover)፡ ብኣኒታ ሮዝ ኣብ ሳን በርናርዲኖ ካሊፎርኒያ ዝተስኣለ

ጕንጋ

ምንጪ ስእሊ, Anita Ross

መግለጺ ስእሊ, ጕንጋ

· ጨና እግሪ (Foot jam)፡ ብብሩክ በርሊንግ፡ ኣብ ዊስኮንሲን ኣሜሪካ ዝተስኣለ

ካብ ውሽጢ ገረብ ሓደ እግሩ ዘቐልቀለ ራኩን

ምንጪ ስእሊ, Brook Burling

መግለጺ ስእሊ, ራኩን

· ግዘ ንትምህርቲ (Time for school)፡ ብቺዊ ክ ቲዮ፡ ኣብ ሲንጋፖር ዝተስኣለ

ንውላዱ ዘንጠልጠለ ጣቚስታ

ምንጪ ስእሊ, Chee Kee Teo

መግለጺ ስእሊ, ጣቚስታ

· መን ዝለዓለ ከምዝዘለለ ረአይ (See who jumps high)፡ ብቹ ሃን ሊን ኣብ ታይዋን ዝተስኣለ

ዓይነት ዓሳ

ምንጪ ስእሊ, Chu han lin

ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።

ጋውና

ምንጪ ስእሊ, Clemence Guinard

መግለጺ ስእሊ, ጋውና