ወዲ 102 ዓመት ጋናዊ ሸኽ ንመስርሒ ቤተ ክርስትያን 8 ሽሕ ዶላር ለጊሶም

ጋናዊ መረዓሂ ሙስሊም

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ጋናዊ መራሒ ሃይማኖት እስልምና ሸኽ ዑስማን ሻራቡቱ ኣብታ ሃገር ይህነጽ ንዘሎ ገዚፍ ካቴድራል ቤተ ክርስትያን መህነጺ ዝኸውን ልዕሊ 8 ሽሕ ዶላር ከምዝወፈዩ ተገሊጹ።

ጋና ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ተኸባቢርካን ተፋቒርካን ናይ ምንባር ባህሊ ከምዘሎ’ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ ናይዞም ሸኽ ወፈያ ግን ፍልይ ዝበለ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

እቶም ወዲ 102 ዓመት መራሒ ሃይማኖት እቲ ዝሃብዎ ወፈያ ኣብ መንጎ እስልምናን ክርስትናን ተፋቒርካ ብሰላም ናይ ምንባር ባህልን ልምድን ዝያዳ ንምሕያል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቶም መራሒ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ሸኽ ዑስማን ሰለማዊ ወርሻ ምግዳፎም ከረጋግጹ ከምዝደልዩ ሓቢሮም።

ንሶም ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ናይ ካቶሊካውያን ቤተ ክርስትያን በዓል ፋሲጋ ምስታፎም ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ያዕያዕታ ፈጢሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

መንግስቲ ጋና ነቲ ብደረጃ ሃገር ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ ካቴድራል ቤተ ክርስትያን ደቂ እታ ሃገር መስርሒ ገንዘብ ከዋጽኡ ብወግዒ ጻዊዒት ኣቕሪቡ’ዩ። እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ርእሰ ከተማ ጋና ኣክራ ዝህነጽ ኮይኑ ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ወጻኢ ከምዝሓትት ይግመት።

ህንጸት እቲ ኣዘራራቢ ቤተ ክርስትያን ኣብ 2024 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ክዛዘም’ዩ ተባሂሉ ዝተገመተ ኮይኑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሙዝየምን 5 ሽሕ ሰባት ዘተኣናግድ ዓብይ ኣዳራሽ ዘካተተ’ዩ።

እቲ ቤተ ክርስትያን ዋላ’ኳ ብናይ ውልቀ ሰባት ገንዘብ ዝህነጽ እንተኾነ፡ ብዙሓት ሰባት ግን ምስ እቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ ንህንጸት ቤተ ክርስትያን ምቕዳም ዘይግቡእ’ዩ ክብሉ ክነቕፍዎ ይስምዑ።